ኣብ ኖርወይ ምምርዓው ንመን እዩ ዝፍቀድ?

ኣብ ኖርወይ፣ እንተደሊኺ ክትምርዓዊ እንተዘይደሊኺ ድማ ዘይክትምርዓዊ፣ ንመን ክትምርዓዊ ከምዘለኪን መዓስ ክትምርዓዊ ከምዘለኪን ናትኪ ምርጫ እዩ። ብተወሳኺ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ክትምርዓዊ መሰልኪ እዩ፣ ሽዕኡ ምስቶም ተቓራኒ ጾታ ተመራዓውቲ ማዕረ መሰል ክህልወክን ናይ ግድን እዩ። 

ንኽትምርዓዊ/ዖ እንተወሓደ ዕድሜኹም 18 ዝገበርኩም ክትኮኑ ኣለኩም። ዕድሜኻ/ኺ 18 ዓመት ወይ ዝያዳ እንተኾይኑ፣ ብዘይ ናይ ወለዲ ፍቓድ ክትምርዓዊ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብ ኖርወይ ንምምርዓ ክማልኡ ዘለዎም ካልኦት ረቛሒታት

መጻምድቲ ንኽምርዓዉ ወግዓዊ ናይ መርዓ ፍቓድ ምስ ዝህብ ሰብ ክራኸቡ ኣለዎም። እዚ ንኣብነት መንግስታዊ በዓልመዚ፣ ኢማም፣ ቀሺ ወይከኣ ናይ ዝኾነ ካልእ ምዝጉብ ሃይማኖት ወይ ናይ ስነምግባር ሕብረተሰብ ሓላፊ ክኸውን ይኽእል።

እቲ መርዓ ዘካይድ ዘሎ ሰብ ወግዓዊ ናይ መመርዓዊ ፍቓድ እንድሕር ዘይብሉ፣ እቲ መርዓ ዋላ ብሃይማኖታዊ ስነስርዓት ይካየድ ብዘየገድስ፣ እቶም መጻምድቲ ብሕጊ ከም ምርዑዋት ኣይቑጸሩን። 

ኣብ ኖርወይ ከመይ ክትምርዓዉ ከምትኽእሉ ብዝምልከት ኣብ ናይ ምሕደራ ቀረጽ ኖርወሰይ መርበብ ሓበሬታ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። 

ፍሉይ ኩነታት

ኣብዞም ዝስዕቡ ኩነታት መርዓ ወይ ሓዳር ምግባር ኣይፍቀድን:

  • ንስኺ ወይ መጻምድትኺ ምስ ካልእ ሓዳር እንድሕር ኣለኩም ኮይኑ - ኣብ ኖርወይ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ንሓደ ሰብ ጥራይ ምምርዓው እዩ ዝፍቀድ; 
  • ንስኺ ወይ መጻምድትኺ ብኣስገዳድ እንድሕር ናብቲ መርዓ ኣቲኹም;
  • ንስኺን መጻምድትኺን ቀረባ ኣዝማድ እንተኾንኩም ክትምርዓዉ ኣይትኽእሉን። ኣሕዋት ንኣሕዋት፣ ወለዲ ንደቆም ወይድማ ኣቦሓጎታት/እኖሓጎታት ንደቂደቆም ምምርዓው ኣብነታት ኣብ መንጎ ቀረባ ኣዝማድ ዝግበሩ መርዓታት እዮም።

ኣብ ወጻኢ ዝተገብረ ኣብቲ ዝተገብረሉ ሃገር ቅቡል ዝኾነን መርዓ ኣብ ኖርወይ እውን ቅቡል እዩ። ይኹን እምበር፣ እቲ መርዓ ብጭቡጥ ምስ ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ኖርወይ ዝጻባእ እንተኾይኑ ኣብ ኖርወይ ኣፍልጦ ኣይረክብን። ንኣብነት፣ ካብቶም መጻምድቲ ሓዲኦም ኣብቲ ዝተመርዓዉሉ እዋን ኣዝዮም ኣናእሽተይ እንተኔሮም። ሓደ ካብቶም ተጻመድቲ ቅድሚ እቲ መርዓ ምስ ኖርወይ ሓያል ምትእስሳር እንድሕርኔሩዎ፣ እቲ መርዓ ካብቶም ተመራዓውቲ ሓዲኦም ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት እንተኔሮም፣ ኣብቲ መርዓ እንድሕር ዘይተረኺቦም፣ ወይድማ ብቕድሚኡ ዝተመርዓዉ እንተኾይኖም እውን ኣብ ኖርወይ ኣፍልጦ ኣይረክብን። 

መርዓን ምርኻብ ዝተጣፍኡ ቤተሰብን

ንስኺን መጻምድትኺን ንስኺ ወይ መጻምድትኺ ኣብ ኖርወይ ክትጸንሑ መታን ክፍቀደልኩም እንተኾንኩም ዝተመርዓኹም፣ እቲ መርዓ ናይ ምርኻብ ዝተጣፍኡ ቤተሰብ መሰል ኣይህበኩምን። 

ሓደሽቲ መሰላትን ሓላፊነታትን

እቶም መጻምድቲ ይምርዓዉ ኣለዉ ማለት፣ ሓደሽቲ መሰላትን ግቡኣትን ይቕበሉ ኣለዉ ማለት እዩ። ንኣብነት:

  • ኣብ ሓዳር፣ ክልቲኦም መጻምድቲ ንሓድሕዶም ክተሓጋገዙን ክተሓላለዩን ግዴታ ኣለዎም።
  • መጻምድትኺ እንተሞይቱ፣ ናይ መጻምድትኺ ንብረት ከምኡድማ/ወይድማ ገንዘብ ብኸፊል ክትማቐሊ መሰል ኣለኪ። መጻምድትኺ እንተሞይቱሞ ብዛዕባ ውርሲ ሕቶታት እንድሕር ኣሎኪ፣ ኣብ ከባቢኺ ካብ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። 
  • በዓል ሓዳርኪ ኣብ ወጻኢ ዝነብር እንተኾይኑ፣ ንሱ/ንሳ ናብዚ መጽዩ ኣብ ኖርወይ ምሳኺ ክነብር መሰል ኣለዎ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ንስኺ ኣብ ኖርወይ ብቐዋምነት ክትነብሪ ፍቓድ ዘለኪ እንተኾንኪ ከምኡድማ ንዓኺን ንመጻምድትኺን እትጥውርሉ እኹል ገንዘብ እንተልዩኪን እዩ። ሽዕኡ መጻምድትኺ ናይ ኖርወይ ፍቓድ መንበሪ ይወሃቦ ከምኡድማ ኣብ ኖርወይ ክሽቅል ይኽእል። 

ዋላ ድሕሪ መርዓ፣ እቶም ዶክተራት ኣብ ኢዶም ዘሎ ንዓኺን ንጥዕናኺን ዝምልከት ውልቃዊ ሓበሬታ ብዘይ ናትኪ ፍቓድ ንበዓል ሓዳርኪ ኣሕሊፎም ክህብዎ ኣይፍቀደሎምን።

ባዕሎም እቶም መጻምድቲ ጥራይ እዮም ዝውስኑ

ሓደሓደ ግዜ ካልኦት ሰባት እዮም ንመን ክትምርዓዊ ከምዘለኪ ዝመርጹልኪ። እዚ ኣብ ኖርወይ ልሙድ ኣይኮነን። ይኹን እምበር፣ ክልቲኦም መጻምድቲ እቲ መርዓ ክቕጽል እንተደልዮምዎ ሕጊ ኣይኽልክሎምን።

ብዘይ ድሌትኪ ወይ ብዘይ ድሌት መጻምድትኺ መርዓ ምግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ። ሰባት ኣገዲድካ ክምርዓዉ ምፍታን እውን ብሕጊ ክልኩል እዩ። ንስኺን መጻምድትኺን ኣስገዳድ መርዓ ክትገብሩ ናብ ካልእ ሃገር ክትከዱ ኣይፍቀደልኩምን። ክትምርዓዊ ትግደዲ እንተሊኺ ወይከኣ ብኣስገዳድ እንድሕር ተሞርዒኺ፣ ማዕዳን ሓገዝን ክገብረልኪ ንዝኽእል ሰብ ምዝርራብ ይከኣል እዩ። 

ንሰባት ኣገዲዶም ናብ መርዓ ዘእትዉ ሰባት ብሕጊ ይቕጽዑ። ናብ ኖርወይ ክትመጹ እንከለኹም ኣብ ከምኡ ዓይነት ሓዳር እንተኔርኩም፣ ንስኺን መጻምድትኺን ኣይትቕጽዑን ከምኡድማ እቲ ሓዳር ቅቡል ኮይኑ ክቕጽል እዩ። ይኹን እምበር፣ ንስኺ ከምኡድማ/ወይድማ መጻምድትኺ ነዚ ሓዳር ከተፍርሱዎ ትኽእሉ ኢኾም።

ብዘይድሌትኩም ናብ ኣስገዳድ መርዓ ትኣትዉ እንተሊኹም እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩም ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዳሬክቶሬት ጉዳያት ህጻናት፣ ኣባጽሕን ቤተሰብን ኖርወይ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብዚ እቲ ሓዳር ከመይ ከተፍርሱዎ ከምትኽእሉ ዝገልጽ ሓበሬታ እውን ክትረኽቡ ኢኹም። 

ከይተመርዓውኩም ብሓባር ምንባር

ቅድሚ መርዓ ርክባት ምምስራትን ኣብ እዋን ሓዳር ምስ ካልኦት መጻምድቲ ወሲባዊ ርክባት ምግባርን ኣብ ኖርወይ ክልኩል ኣይኮነን ስለዚ ሰባት እዚ ብምግባሮም ክቕጽዑ ኣይኽእሉን።

ኣብ ገለ እዋናት፣ እዚ ባህሪ ብስድራቤታት ቅቡል ስለዘይኮነ ገለ ኣባላት ስድራት ነቶም ከምዚ ዝገበሩ ኣባጽሕ ኣወዳትን ኣንስቲን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙሎዎም እንተኸፊኡ ኸኣ ክቐትሉዎም ይደልዩ እዮም። ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ኹነታት ትነብሪ ዘለኺ ኮይኑ እንድሕር ተሰሚዑኪ፣ ብቐጥታ ናብ ፖሊስ ኪዲ ወይከኣ ገለ ክሕግዘኪ ዝኽእል ሰብ ርኸቢ