ኩሎም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ሰባት ኣገደስቲ ሕክምናታትን ናይ ጥዕና ክንክን ኣገልግሎታት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። እዚ ተዓቆብቲን ካልኦት ብሕጊ ተፈቒዱሎም ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ስደተኛታትን የጠቓልል። ሓተትቲ ዕቑባ ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም፣ ይኹን እምበር ዕድመኣከል ሓተትቲ ዕቑባ ካልኦት ናይ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎታት ናይ ምርካብ መሰል የብሎም። 

ኩሎም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ሰባት ህጹጽ ርድኤት ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ንኣብነት: ማህሰይቲ እንተጋጢሙካሞ ናብ ሆስፒታል ክትኣቱ ናይ ግድን እንተኾይኑ፣ ምንጻል ጥንሲ ዘድልየኪ እንተኾይኑ ወይ ክትሓርሲ እንተኾንኪ። እዚ ንበጻሕቲ ዓዲ ወይድማ ሕገዊ ነበርቲ ኖርወይ ንዘይኮኑ ሰባት እውን ይሰርሕ እዩ። 

ኩሎም ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ተመሳሳሊ ናይ ክንክን ጥዕና መሰል ኣለዎም፣ ይኹን እምበር ናይዛ ሃገር ሕጋዎት ነበርቲ ዘይኮኑ ቆልዑት ሓፈሻዊ ሓኪም ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን። ኩሎም ቆልዑት ኣብ መንግስታዊ ማእከላት ጥዕናን ኣብ ማእከላት ጥዕና ቤት-ትምህርቲታትን ሕክምናዊ ተፍትሽን ክታበትን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። 

ኣበይ ኢኹም ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ?

  • ዝከኣል እንተኾይኑ፣ ኩሉግዜ መጀምርያ ንሓፈሻዊ ሓኪምኩም ርኸቡዎ።
  • ሓፈሻዊ ሓኪምኩም እንተዘይሃልዩ፣ እቲ ኩነታትኩም ክትጽበዩዎ ዘኽእል እንተዘይኮይኑ፣ ናብቲ ካብ ስሩዕ ናይ ስራሕ ግዜ ወጻኡ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል ብ 116 117 ደውሉ።
  • ህጹጽን ህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እንተኾይኑ ብ 113 ደውሉ።

ሕድሕድ ምምሕዳር ከተማ ንጥኑሳት ኣንስቲ፣ ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 0 ዓመትን 5 ዓመትን ዝርከቡ ህጻናት ንዘለዉዎም ወለዲ፣ ክሳዕ 20 ዓመት ንዝዕድሚኦም መንእሰያት ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት፣ ክትትልን ናይ ጥዕና ክንክንን ዝህባ መንግስታዊ ማእከላት ጥዕናን ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣገልግሎታት ጥዕናን ኣለዋአን። 

ኣብ ኖርወይ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ (ብቛንቋ ኖርወይ: "barneskole")፣ ታሕተዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ("ungdomsskole") ወይድማ ናይ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ("videregående") ተመሃሪት እንተኾንኪ፣ ካብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ቤት-ትምህርቲ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ካብቶም መንግስታዊ ማእከላት ጥዕናን ኣገልግሎታት ጥዕና ቤት-ትምህርቲታትን እትረኽብዎም ኣገልግሎታት ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም።  

መጀመርያ ምስ ሓፈሻዊ ሓኪምኩም ተራኸቡ

ኩሎም ነበርቲ ኖርወይ፣ እንኮላይ ሓተትቲ ዕቑባን ናይ ዳግመ-ምርኻብ ስድራቤት ፍቓድ ዝረኸቡ ሰባትን ኣብቲ ዝነብሩሉ ምምሕዳር ከተማ ሓፈሻዊ ሓኪም ክምደበሎም መሰል ኣለዎም። ሓፈሻዊ ሓኪም ንኽምደበልኪ ብቑጽሪ ሃገራዊ መለለዪ መንነት ወይከኣ ብቑጽሪ D ክትምዝገቢ ኣለኪ። 

መብዛሕትኡ ግዜ፣ ዶክተር ከተዛርብ እንተደሊኻ መጀመርያ ንሓፈሻዊ ሓኪምኪ ከተዘራርቢ ኣለኪ። እቲ ኹነታት ህጹጽ ረድኤት ዝጠልብ እንተኾይኑ፣ ከምኡድማ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም እንተዘይተረኺቡ ግን ብፍሉይ ትተኣናገዲ። ሽዕኡ ነቶም ካብ ስሩዕ ናይ ስራሕ ወጻኢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ክትረኽብዮም ትኽእሊ። ሓፈሻዊ ዶክተር ገና ዘይተመደበልኪ እንተኾይኑ፣ ናብቶም ካብ ስሩዕ ሰዓት ወጻኢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ከይከድኪ ምስ ሓኪም ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ እቲ ሓፈሻዊ-ሓኪምኪ ናብ ስፔሻሊስት፣ ንኣብነት ናብ ናይ ማህጸን ሓኪም ወይ ናይ ስነኣእምሮ ሞያዊ ክሰደኪ ይኽእል እዩ። እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም እውን ኣፋውስ ክእዝዝ ከምኡድማ ንተሓከምቱ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ክእዝዝ ይኽእል እዩ።

መንግስታዊ ማእከላት ጥዕና

እተን ናይ ኣደን ቆልዓን ማእከላት ጥዕና ንጥኑሳት ኣንስቲ፣ ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 0 ከምኡድማ 5 ንዝኾኑ ህጻናትን ወለዶምን ኣገልግሎት ዝህባ ማእከላት እየን። እቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና መሕረሲት፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ፣ ዶክተርን ኣካላዊ ቴራፒስትን ዝሓዘ እዩ። እቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ምስ ካልኦት ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ኣገልግሎታትን ምስቲ ከባቢያዊ ሆስፒታልን ተሓባቢሩ ይሰርሕ። 

እቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ንኹሎም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ህጻውንቲ ካብ ክፍሊት ናጻ ናይ ጥዕና ክንክን ይህብ። እቲ ኣገልግሎት ናይ ሕክምና ምርመራታት ይገብር፣ ክታበት ይህብ ከምኡድማ ንኹሎም ወለዲ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ይህብ። እቲ ቆልዓ ኣብቲ ንስኺ እትነብርሉ ወይ ብግዝያዊነት እትጸንሕሉ ምምሕዳር ከተማ ናይ ሕክምና ምርመራ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። ኣብ ኖርወይ ቀወምቲ ነበርቲ ዘይኮኑ ህጻውንቲ እውን ተመሳሳሊ መሰል ኣለዎም። 

ኣብ ገለ ምምሕዳር ከተማታት፣ እቲን መንግስታዊ ናይ ጥዕና ማእከላት ናይ ቕድመ ወሊድ ሕክምናን ናይ መሕረሲትን ኣገልግሎታት ይህባ። 

መብዛሕትአን ከተማዊ ምምሕዳራት ዕድሚኦም ክሳዕ 20 ዓመት ዝኾኑ መንእሰያት ካብ ናይ ሕበረተሰብ ጥዕና ነርስዶክተር ወይድማ ካብ ናይ ስነኣእምሮ ሞያዊ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ማዕዳን ሓገዝን ዝረኽቡሎም ማእከላት ጥዕና መንእሰያት ኣለዉዎም:

መብዛሕትአን ከተማዊ ምምሕዳራት ነተን ማእከላት ጥዕና መንእሰያት ዕድሚኦም ክሳዕ 23 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ናይቲ ኣገልግሎታት ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ጌረን እቲ ዕድል ኣስፊሐናኦ እየን።

ብዛዕባ ኣብቲ እትጸንሕሉ ምምሕዳር ከተማ ዘለዋ መሕረስቲን መንግስታዊ ማእከላት ጥዕናን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ነቶም ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ጥዕናን ክንክንን ኣገልግሎታት ተወከሲ ወይድማ ናይቲ ምምሕዳር ከተማ መርበብ ሓበሬታ ረኣዪ።

ዋጋ ክንክን ጥዕና

ኣብ ኖርወይ ዝነብሩ ልዕሊ ዕድመ ሳባት ካብቶም ካብ ስሩዕ ናይ ስራሕ ሰዓት ወጻኢ ኣገልግሎት ዝህቡ ማእከላት፣ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪሞም፣ ወይድማ ክብ ናይ ስነኣእምሮ ሞያዊ ንዝረኽቡዎ ኣገልግሎታት ዝተወሰነ መጠን ክኸፍሉ ኣለዎም። ክፍሊታትኩም ካብዚ መጠን እዚ ንላዕሊ ምስኮኑ፣ ካብ ክፍሊት ናጻ ክትኮኑ ዘኽእለኩም ካርድ ("frikort") ክትወሃቡ ኢኹም፣ ስለዚ ዝኾነ ተወሳኺ ክፍሊት ኣይክትከፍሉን ኢኹም። ናብ ሆስፒታል እንተኣቲኺ ኣይትኸፍሊን። ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ዋላሓንቲ ክፍሊት ኣይኸፍሉን። 

በጻሒ ዓዲ እንተኾንካ፣ ወይድማ ናይ ዕቑባ ሕቶኻ ንመወዳእታ እዋን ተቐባልነት እንድሕር ስኢኑ፣ ካብ ዶክተርን ካብ ሆስፒታልን ንእትረኽቦ ሕክምና ክትከፈፍል ናይ ግድን እዩ። ኣብ ሕርሲ እውን ከምዚ እዩ።

ኣብ እዋን ህጹጽ ረድኤት ሕክምና ቅድሚ እቲ ሕክምና ወይ ድሕሪ እቲ ሕክምና ኣይትኸፍልን ኢኻ። 

ክትከፍል ዘይትኽእል እንተኾንካ፣ ወጻኢታትካ በቲ ናይ ምምሕዳር ከተማ ኣገልግሎት ጥዕና ወይድማ በቲ ሆስፒታል ክሽፈኑ እዮም። 

ኣስተርጓሚ ክግበረልኩም መሰልኩም እዩ

ንስኻ ብቛንቋ ኖርወይ ሓሳብካ ክትገልጽ ትጽገም እንተኾንካ እቶም ናይ ጥዕና ሞያውያን ናይ ግድን ናትካ ቋንቋ ዝዛረብ ኣስተርጓሚ ከቕርቡልካ ኣለዎም፣ ስለዚ ብቛንቋኻ ኢኻ ክትዛረብ። ኣስተርጓሚ የድልየካዶ ኣየድልየካን ምግምጋም ናይቲ በዓልሞያ ጥዕና ግቡእ እዩ። እቲ ኣገልግሎት ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። 

እዞም ዝስዕቡ ነገራት ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ:

  • እቲ ኣስተርጓሚ ሚስጢራዊነት ናይ ምሕላው ግቡእ ኣለዎ
  • እቲ ኣስተርጓሚ ብትኽክል ዝተዛረብካዮ ነገራት ጥራይ እዩ ክትርጉም ዘለዎ።
  • ሕቶታት ናብቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ እምበር ናብቲ ኣስተርጓሚ ዝቐንዑ ክኾኑ የብሎምን።