ኣብ ኖርወይ፣ ኩሎም ሰብኡትን ኣንስቲን ብዛዕባ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ካብ ናይ ሕበረተሰብ ጥዕና ነርስመሕረሲት ወይድማ ካብ ዶክተር ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ብተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ኢንተርኔት ምድላይ ወይከኣ ንወሃብቲ ምኽሪ ምዝርራብ እውን ይከኣል እዩ

እዞም ዝስዕቡ ምርጫታት ኣለዉ

  1. ብዘይ ናሕ ሓኪም ትእዛዝ ዝዕደጉ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት፣
  2. ብናይ ሓኪም ትእዛዝ ጥራይ ዝዕደጉ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት፣
  3. ብቐጥታ ካብ ናይ ሕበረተሰብ ጥዕና ነርስ፣ መሕረሲት ወይ ዶክተር ዝወሃቡኹም ናይ ወሊድ መከላኸሊታት።

ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዘይጠልቡ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት

ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ክትዕድጉዎም እትኽእሉ ቁሩብ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ኣለዉ። እዚኦም ናብ ዶክተር ምኻድ ከየድለየኩም እትዕድጉዎም ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ማለት እዮም።

እዞም ዝስዕቡ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ክትዕድጉዎም ትኽእሉ ኢኹም:

  • ኮንደማት: ናይ ናጻ ኮንደማት ካብ gratiskondomer.no ክትእዝዙ ወይድማ ካብ ማእከል ጥዕና መንእሰያት ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኮንደማት ካብ ቤት-መድሓኒት፣ ካብ ናይ ጥዕናን ኣቕሑትን መጸባበቒን ሸየጥቲ፣ ካብ ሱፐርማርኬታት፣ ካብ ጣብያትት መዕደሊ ነዳዲን ካብ ኦንላይንን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። ዕቅንኩም ከምዝዓደግኩም፣ እቲ መዕሸጊኡ ከምዘይተቐደ ከምኡድማ እቲ ኮንደም ኣዝዩ ዝኣረገ ከምዘይኮነ ኣረጋግጹ።
  • ዳያፍራማት: ዳያፍራም ካብ ኦንላይንን ካብ ገለ ቤት-መድሓኒታትን ክትዕድጉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ዳያፍራም ንኹሉ ሰብ ከምዝኸውን ተጌሩ ዝተሰርሐ ሓደ ዓይነት ዝግዝፈቱ ጥራይ እዩ፣ እዚ ንኹለን ደቂ ኣነስትዮ ዕቅነን እዩ ይኹን እምበር ክንዲ ካልኦት ናይ ወሊድ መከላኸሊ ሜላታት ዘተኣማምን ኣይኮነን።
  • ናይ ጓልኣነስተይቲ ኮንደም: ናይ ጓልኣነስተይቲ ኮንደም ኣብ ኦንላይን ክትዕድጊ ትኽእሊ ኢኺ።
ኮንደም
ዳያፍራም
ናይ ደቂኣነስትዮ ኮንደም

ናይ ሓኪም ትእዛዝ ዝጠልቡ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት

ብናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስመሕረሲት ወይድማ ብናይ ዶክተር ትእዛዝ እትወስዱዎም ሆርሞናዊ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ኣለዉ፣ ትእዛዝ ዘድለየሉ ምኽንያት ኩለን ኣንስቲ ሆርሞናዊ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ዘይክጻወራ ስለዝኽእላ እዩ። 

ትእዛዝኪ ምስተቐበልኪ፣ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ቤት-መድሓኒት ክትወስድዮም ትኽእሊ ኢኺ።

እዞም ዝስዕቡ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ንምዕዳግ ካብ ናይ ሕበረተሰብ ጥዕና ነርስ፣ መሕረሲት ወይድማ ካብ ዶክተር ትእዛዝ ክትረኽቢ ኣለኪ:

መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና
ደቂቕ ከኒና
ዓንኬል ርሕሚ
ተጠቃዒ መከላኸሊ ጥንሲ

ብናይ ጥዒና ሞያዊ ዝስኩዑ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት

ናይ ግድን ብናይ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ነርስመሕረሲት ወይድማ ብዶክተር ክስኩዑ ዝግበኦም ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ኣለዉ:

ሆርሞናል IUD
ኣብ ማህጸን ዝስኳዕ IUD
ብመርፍእ ዝወሃብ መከላኸሊ ጥንሲ
ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ

ዋጋታት

  • ሆርሞናዊ ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ከምኡድማ ናይ ነሓስ IUD ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 16 ዓመትን 19 ዓመትን ንዝኾኑ ሰባት ብናጻ እዮም ዝወሃቡ። ዕድሜኺ ኣብ መንጎ 20 ዓመትን 22 ዓመትን እንተኾንኪ ድማ ገለ ኽፋል ናይቲ ክፍሊት ጥራይ ትሽፍኒ። ዕድሜኺ 22 ዓመት ምስመላእኺ ግን ሙሉእ ክፍሊት ባዕልኺ ኢኺ ትሽፍኒ። 
  • ናይ ናጻ ኮንደማት ኣብ gratiskondomer.no ወይድማ ኣብ ማእከል ጥዕና መንእሰያት ክትረኽቡ ትኽእሉ። እቶም ኮንደማት ካብ ካልእ ቦታ እንድሕር ዓዲግኩምዎም ዋጋኦም ባዕልኹም ኢኹም ትሽፍኑዎ። 

ናይ ዕድመ ደረታት

ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሜኺ እንተኾንኪ እቲ ናይ ሕበረተሰብ ጥዕና ነርስመሕረሲት ወይ ዶክተር ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ወይ ካልኦት ናይ ወሊድ መከላኸሊታት ንኽእዝዙልኪ መጀመርያ ወለድኺ ክፈቕዱ ኣለዎም። ንስኺ ብዛዕባ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ንወለድኺ ክትዛረቢ ዘይትኽእሊ ወይ ዘይትደልዪ እንተኾንኪ ጉዳይኪ ብፍሉይ ኣገባብ ክሪኡልኪ ይኽእሉ እዮም። 

ኩለን ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሜአን ደቂኣነስትዮ ካብ ናይ ሕበረተሰብ ጥዕና ነርስ፣ መሕረሲት ወይ ካብ ዶክተር መከላኸሊ ጥንሲ ክወስዳ ይኽእላ እየን። እቶም ናይ ጥዕና ሞያውያን ሚስጢራዊነት ናይ ምሕላው ግቡእ ስለዘለዎም ወለድኺ ወይከኣ መጻምድትኺ ብዛዕባ እዚ ክፈልጡ ኣይኽእሉን። 

ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይቲን መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ምጥቃም ግቡእ ኣለዎም። ንመጻምድትኻ ምዝርራብ እምነት ይሃንጽ። ክልቲኦም ኣካላት መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀሙ ክውስኑ መሰል ኣለዎም፣ ይኹን እምበር ንመጻምድትኻ ኣገዲድካ መከላኸሊጥንሲ ክትጥቀም/ክጥቀም ምግባር ግን ኣይከኣልን።