ኣብ ኖርወይ፣ ኩሎም ናይ ጥዕና ሞያውያን ሚስጢራዊነት ክሕልዉ ሕጋዊ ግቡእ ኣለዎም። 

እዚ እቲ ንናይ ጥዕባ ሞያዊ ዝሃብክዮ ሓበሬታ ብዘይ ናትኪ ፍቓድ ንኻልኦት ሰባት ዋላ ንፖሊስ ወይ ንኻልኦት ሰብመዚ ኣሕሊፍካ ክወሃብ ኣይከኣልን ማለት እዩ። ኣብ ልዕሊ ህይወት ዝተፈጥረ ሓደጋ ወይ ሞት እንተልዩ ጥራይ እዩ እዚ ክገሃስ ዝኽእል።

ብተወሳኺ መጻምድትኺ ወይ ቤተሰብኪ ከይፈለጡ ማዕዳ/ምኽሪ ከምኡድማ ሕክምናዊ ክንክን ክትረኽቢ ከምኡድማ ዶክተር ክትረኣዪ ትኽእሊ ኢኺ።

ናይ ጥዕና ሞያውያን ዋላ ስርሖም ምስ ለቐቑ እውን ነቲ ናይ ሚስጢራዊነት ሕጊ ተገዛእቲ እዮም። 

ነቲ ናይ ሚስጢራዊነት ግቡእ ዝምልከቱ ፍሉይነታት

ነቲ ናይ ሚስጢራዊነት ግቡእ ዝምልከቱ ገለ ፍሉይነታት ኣለዉ። ናይ ጥዕና ሞያውያን እቲ በዓል ሓበሬታ እንድሕር ፈቒዱ ካብቲ ናይ ሚስጢራዊነት ሕጊ

  • ናጻ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም: እቶም ናይ ጥዕና ሞያውያን ገለ ሓበሬታታትኩም ንኻልኦት ኣሕሊፎም ክህቡ ፍቓድ ብምሃብ ካብ ናይ ሚስጢራዊነት ግቡኦም ናጻ ክትገብሩዎም ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ሓበሬታ ንመን ከምዝተዋህበ፣ ኣየናይ ሓበሬታ ከምዝተዋህበ፣ ከምኡድማ እዚ ሓበሬታ እዚ ንኻልኦት ኣሕሊፍካ ምሃብ ከስዕቦም ዝኽእል ሳዕቤናት ብዝምለከት ሓበሬታ ክወሃበኩም መሰል ኣለኩም። ትሕቲ 16 ዓመት ንዝዕድሚኦም ቆልዑት ከኣ ወለዶም እዮም ፍቓድ ዝህቡሎም። 
  • ጽቡቕ ሕክምናዊ ክንክን ውሑስ ንምግባር: ንስኹም ጽቡቕ ሕክምናዊ ክንክን ንኽትረኽቡ ሓበሬታኹም ምፍናው ኣገዳሲ እንተኾይኑ፣ ናይ ጥዕና ሞያዊ ንሕክምናዊ ኩነታትኩም ዝምልከት ሓበሬታ ንካልእ ናይ ጥዕና ሞያዊ ኣሕሊፉ ክህብ እዩ። ሓበሬታኻ ንኻልእ ኣካል ተመሓላሊፉ ከይወሃብ ክትከልእ መሰልካ እዩ፣ እንተኾነ እዚ ንምግባር ናይ ግድን ነቶም ሰራሕተኛታት ከተፍልጦም ኣለካ።
  • ጥዕናን ህይወትን ውሑስ ንምግባር: እቶም ናይ ጥዕና ሞያውያን ናትኩም ህይወት ወይ ናይ ካልኦት ህይወት ኣብ ሓደጋ እንተኣትዩ ነቶም ሰብ መዚ ከፍልጡዎም ግቡኦም እዩ። ንኣብነት ቆልዓ ኣብ ገዛ መሰሉ ይገሃስ ኣሎ ዝብል ጥርጣረ እንተልዩ፣ ጥንስቲ ኣደ ነቲ ቆልዓ ክሃሲ ብዝኽእል ኣገባብ ዕጸፋርሳት ትጥቀም ኣላ ዝብል ጥርጣረ እንተልዩ፣ እቲ ሰብ ፍቓድ መዘወሪ ተሸርካሪ ንምውጻእ ዘኽእል ሕክምናዊ ረቛሒታት ከማልእ እንተዘይክኢሉ፣ ወይድማ ፖሊስ ወይ ክፍሊ መጥፋእቲ ባርዕ ሰብ ወይ ንብረት ካብ ዕንወት ክከላኸሉ ፍቓድ ምሃብ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ከምዚ ምግባር ይከኣል እዩ። 

ፍሉይነት: ተላባዒ ሕማም

ገለ ሕማማት ኣብ ዘጋጥሙሉ እዋን እቲ ዶክተር ብዛዕባ እቲ ሕማም ንናይ ጥዕና በዓልመዚ ከፍልጥ ግድን ክኸውን ይኽእል። እቲ ተላባዒ ሕማም ንኻልኦት ሰባት ሓደገኛ እንተኾይኑ ከምዚ ምግባር ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል። 

ንስኹም ምናልባሽ ወይ ኦሮማይ በቲ ሓደገኛ ሕማም ንኻልእ ሰብ ለኪምኩም እንተኾንኩም፣ እቲ ዶክተር ንዕኡ/ንዓኣ ክነግሮም ይኽእል። እቲ ዶክተር ገለ ብሓደገኛ ሕማም ክልከፉ ኣብ ከቢድ ስግኣተ-ሓደጋ ዘለዉ ሰባት እንተልዮም ክነግሮም ግድን እዩ።