ኣብ ኖርወይ፣ ኩለን ኣንስቲ ክሳዕ መበል 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ (10 ሰሙን ድሕሪ ጽግየት) ምንጻል ጥንሲ ክገብራን ዘይክገብራን ናይ ምውሳን መሰል ኣለወን። ስለምንታይ ምንጻል ጥንሲ ከተካይዲ ከምዝደለኺ ምኽንያት ክትህቢ ትጽቢት ኣይግበረልኪን።

ዕድመኺ ትሕቲ 16 ዓመት እንተኾይኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ወለድኺ እዮም ዝውስኑልኪ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፣ እቲ ዶክተር እቶም ወለዲ ወይከኣ እቶም ሞግዚት ከይሰምዑ፣ ከምኡድማ ምርጫኦም ከይስማዕ ክኽልክል ይኽእል እዩ። 

ክልተ ዓይነታት ምንጻል ጥንሲ ኣለዉ፣ ምንጻል ጥንሲ ብመድሓኒት ከምኡድማ መጥባሕታዊ ምንጻል ጥንሲ። ኣየናይ ምርጫ ትመርጺ ጥንስኺ ክንደይ ገይሩ ኣብ ዝብል ዝተደረኸ እዩ። 

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ቀጻሊ ቆልዓ ክትወልዲ ትኽእሊ ኢኺ። 

ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ እንተዘይደሊኺ ዋላሓደ ከገድደኪ ዝኽእል ኣካል የለን። ብተወሳኺ እታ ሰበይቲ ጥንሳ ሒዛ ክትቅጽል ዘገድዳ ኣካል እውን የለን። 

ከመይ እየ ምንጻል ጥንሲ ክገብር ዝኽእል?

ብቐጥታ ምስቲ ሆስፒታል ተራኺብኪ ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ኖርወይ፣ ናበየናይ ሆስፒታል ክትከዲ ከምዘለኪ ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ። ምስቲ ሆስፒታል ቆጸራ ቅድሚ ምሓዝኪንኻልእ ዶክተር ወይ ናይ ጥዕና ሞያዊ ምዝርራብ ወይድማ ካብኣም መወከሲ ምርካብ ኣየድልየኪን። እንድሕር ወሲንኪ፣ ናብቲ ሆስፒታል ባዕልኺ ደዊልኪ ቆጸራ ምሓዝ እምበር ካልእ ነገር ኣድልየኪን። 

እንድሕር ንሓፈሻዊ ሓኪምኪ፣ ንናይ ሕበረተሰብ ጥዕና ነርስ ወይከኣ ንኻልእ ሰብ ክትዛረቢ ደሊኺ፣ ናብ ኣቶም ደዊልኪ ቆጸራ ክትሕዚ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ኣገልግሎት ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ ዝወሃብ። ምስቲ ሆስፒታል ቆጸራ ክትሕዚ ክሕግዙኺ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ ነታ Amathea ዝተባህለት ንጥኑሳት ኣንስቲ ናይ ምኽሪን ኣገልግሎት እትህብ ትካል እውን ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ። ምስቲ ሆስፒታል ቆጸራ ቅድሚ ምሓዝኪ ንኻልእ ሰብ ክትዛረቢ እንተደሊኺ ናይ ባዕልኺ ውሳነ እዩ። 

ናብቲ ሆስፒታል ክትድውሊ እንከለኺ፣ ናይ መወዳእታ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ መዓስ ከምዝነበረ ክሓቱኺ እዮም። እዚ ካብ ትጠንሲ ክንደይ ሰሙን ከምዝገበርኪ ንምግባጥ ይጥቀሙሉ። ሽዕኡ ናይ መጀመርያ ናይ መርመራ ቆጸራኺ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዑደት ወርሓዊ ጽግያትኪ ተደሪኹ ክተሓዘልኪ እዩ።

መዓስ እየ ኣብ ውሳነይ ዝተደረኸ ምንጻል ጥንሲ ዘካይድ?

ናይ ጥንሲ መርመራ ክትወስዲን፣ ውጽኢቱ ከኣ ኣወንታዊ ክኸውንን ኣለዎ።

  • ብኣጋ: ምንጻል ጥንሲ ቅድሚ መበል 6. ናይ ጥንሲ ሰሙን ክካየድ ኣይክእልን። እዚ ማለት ምጥናስኪ ብኣጋ እንድሐር ፈሊጥኪ፣ ምንጻል ጥንሲ ከይገበርኪ እተወሰነ ግዜ ክትጸንሒ ኣለኪ ማለት እዩ።
  • እንተደንጉዩ: ምንጻል ጥንሲ ክሳዕ መበል 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ክካየድ ይኽእል እዩ። ድሕሪ 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ምንጻል ጥንሲ ምግባር ይከኣል እዩ፣ ግን ሽዕኡ ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ኣለዉ። እቲ መጠየቕታ ኣብቲ ሆስፒታል ብዘሎ ሓኪምኪ ወይ ብሓፈሻዊ ዶክተርኪ ዝተጻሕፈ ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ መጠየቕታ ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ ዝደለኽሉ ምኽንያት ክትገልጺ ኣለኪ። እቲ መጠየቕታ ክልተ ዶክተራት ብዝሓቖፈት ኮሚቴ ክረኣይ እዩ። እቲ ኮሚቱ ናይ ምንጻል ጥንሲ መጠየቕታኺ ቅቡል ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስን እዩ። ናይ ምንጻል ጥንሲመጠየቕታኺ ተቐባልነት እንድሕር ስኢኑ፣ እቲ መጠየቕታ ሽዕኡ ዳግማይ ብኻልእ ሰብ ክረኣይ እዩ። 

መብዛሕትአን ድሕሪ መበል 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ምንጻል ጥንሲ ክገብራ ዝደልያ ሰባት ዝእመን ምኽንያት ኣለወን፣ ስለዚ ናይ ምንጻል ጥንሲ መጠየቕታአን ዋላ ድሕሪ መበል 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ቅቡል ይኾነለን እዩ። ግዜ እናነውሐ ክኸይድ እንከሎ እቶም ረቛሒታት እውን እናተረሩ ይኸዱ። 

ኣየናይ ናይ ጥንሲ ሰሙን?

ሰባት ናይ ጥንሲ ሰሙን ዘግብጡሉ መንገዲ ቁሩብ ንምርዳኡ ዝኸብድ እዩ። ስለዚ ገለ ሰባት ካብቲ ንሰን ዝሓሰባኦ ወጻኢ ኣብ ካልእ ናይ ጥንሲ ሰሙን ከምዘለዋ ክንገረን እንከሎ ክገርመን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፣ ቅድሚ ሓደ ሰሙን መከላኸሊ ኣልቦ ወሲባዊ ርክብ እንተጌርኪ፣ ሕጂ ኣብ ሳልሳይ ናይ ጥንሲ ሰሙን በጺሕኺ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ ጥንሲ ሰሙን ካብቲ ናይ መወዳእታ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ኣትሒዙ ስለዝግበጥ እዩ; ወርሓዊ ጽግያት ዝራእኽሉ ናይ መወዳእታ ግዜ።

ብተግባር ክረኣይ እንከሎ፣ ናይ ጥንሲ ሰሙን ካብቲ ብጭቡጥ ዝጠነስክሉ ግዜ ክልተ ሰሙን ቀዲሙ እዩ ዝግበጥ ማለት እዩ። 

ናይ መጀመርያ ቆጸራ ኣብቲ ሆስፒታል

  • ናብቲ ሆስፒታል ደዊልኪ ዘድልዮም ሓበሬታ እንተሂብክዮም፣ ቆጸራ ክተሓዘልኪ እዩ። ኣብቲ ናይ መጀመርያ ናይቲ ሆስፒታል ቆጸራኺ፣ ካብ ትጠንሲ ክንደይ ከምዝገበርኪ ዝሓሸ ሓቃዊ ሓበሬታ ንምርካብ ዘኽእል ናይ ኣልትራሳውንድ መርመራ ክግበረልኪ እዩ። እቲ መርመራ ንእሽቶ፣ ንውሕ ዝበለ ዘንጊ ናብ ርሕሚ ኣእቲኻ ውሽጣዊ ኣልትራሳውንድ ብምግባር እዩ ዝካየድ። ደጋዊ ኣልትራሳውንድ፣ ኣብ ከብዲ ዝግበር ኣልትራሳውንድ፣ ቅድሚ መበል ኣስታት 13. ናይ ጥንሲ ሰሙን ኣብ ጥቕሚ ኣይውዕልን። 
  • ድሕሪ እቲ ኣልትራሳውንድ፣ እቲ ሓኪም ኣየናይ ዓይነት ምንጻል ጥንሲ ዝያዳ ከምዝጥዕመኪ ይውስን። ምርጫኺ ከተፍልጢ ትኽእሊ ኢኺ፣ ግን ኣብ መወዳእታ እቲ ዶክተር እዩ ኣብ ሕክምናዊ ኣገባብ ተደሪኹ ንዓኺ ኣየናይ ከምዘሕሸኪ ዝውስን።
  • ክልተ ሜላታት ምንጻል ጥንሲ ኣለዉ: ብመድሓኒት ዝግበር ምንጻል ጥንሲን፣ መጥባሕታዊ ምንጻል ጥንሲን። 

ምንጻል ጥንሲ ወጻኢኡ ክንደይ እዩ?

ኣብ ኖርወይ፣ ምንጻል ጥንሲ ንናይ ኖርወይ ዜጋታትን ኣብ ኖርወይ ዕቑባ ንዝሓታ ኣንስቲን ወይድማ ንሕጋዊ ነበርቲ ኖርወይ ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ ዝወሃብ። በጻሕቲን ካልኦት ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ዜጋታትን (እንኮላይ ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት) ከፊሎም እዮም መጥባሕታዊ ስርሒት ከካይዱ ዝኽእሉ። ናይቲ ሕክምናዊ መስርሕ መጥባሕታዊ ስርሒት ክፍሊት ካብ ሆስፒታል ናብ ሆስፒታል ክፈላለ ይኽእል እዩ። 

ድሕሪ ምንጻል ጥንሲ

ነቲ ምንጻል ጥንሲ እትኣልይሉ እተፈላለየ ስነኣእምሮኣዊ ኣገባባት ኣሎ: 

  • ገለ ሰባት ዋላሓንቲ ጓሂ ኣይህልወንን፣ የግዳስ ዓባዪ ሩፍታ፣ ከምኡድማ ንጸገመን ፍታሕ ከምዝረኸባ ኮይኑ ይስመዐን። 
  • ገለ ሰባት ከኣ ከቢድን በዳህን ኮይኑ ይረኽባኦ። ሽዕኡ ንካልእ ሰብ ምዝራብ ክጠቕመኪ ይኽእል፣ ንኣብነት ንመጻምድትኺ፣ ኣዕሩኽትኺ ወይድማ ምስ ትፈትውዮም ቤተሰብኪ፣ ወይድማ ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ። ብተወሳኺ ክተዘራርብዮም እትኽእሊ እተወሰኑ ወሃብቲ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣለዉ። 
  • ካልኦት ከኣ ናይ ሩፍታን ጓሂን ሕውስዋስ ስምዒት ይስመዖም። 

ጌጋ ዝበሃል ስምዒት የለን። ኩሉ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ፣ ኩለን ሰባት ጥኑሳት ዝነበራሉ ኩነታት ይፈላለ እዩ፣ ከምኡድማ ኩለን ሰባት ምንጻል ጥንሲ ዝገብራሉ ነናይ ባዕለን ምኽንያታት ኣለወን። ከምዚ ስለዝኾነ ኢና እተፈላለየ ምላሽ ዝህልወና።