ብዛዕባ ምጣነ ስድራ ምኽሪ ናይ ምርካብ መሰል

ጥንስቲ እንተድኣኾንኪ ሓገዝ ወይከኣ ኢኮኖሚያዊ ሓገዝ ብዛዕባ እትረኽብሉ መሰል ሓበሬታን ምኽሪን ክትረኽቢ መሰል ኣለኪ። ምስ መሕረሲትኪ ወይ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ተዘራረቢ። ብተወሳኺ ነታ Amathea ዝተባህለት ንጥኑሳት ኣንስቲ ናጻ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት እትህብ ትካል እውን ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ናይ ምንጻል ጥንሲ መሰል

ኣብ ኖርወይ፣ ኩለን ኣንስቲ ክሳዕ መበል 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ምንጻል ጥንሲ ናይ ምግባር መሰል ኣለወን። ስለምንታይ ምንጻል ጥንሲ ከተካይዲ ከምዝደለኺ ምኽንያት ክትህቢ ትጽቢት ኣይግበረልኪን።

ድሕሪ መበል 12. ሰሙን ጥንሲ ምንጻል ጥንሲ ከተካይዲ ትኽእሊ ኢኺ፣ ግን ሽዑኡ ክማልኡ ዘለዎም ገለ ረቛሒታት ኣለዉ

ናይ ጥንሲ ሰበይቲ ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል

ኩሉን ኣብ ኖርወይ ዝርከባ ጥኑሳት ኣንስቲ ካብ መሕረሲት ወይከኣ ካብ ዶክተር ሕክምናዊ ክንክን ክረኽባ መሰል ኣለወን። እቶም ማዕዳታት ካብ ክፍሊት ናጻ ክኾኑ እንከለዉ፣ ናትኪን ናይቲ ህጻንን ጥዕናን ጽቡቕ ኩነታትን ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ማዕዳን ደገፍን ይህቡኺ።

እዞም ኣገልግሎታት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ:

  • ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ኣብ እዋን ጥንሲ
  • ናይ ወለዲ ሕክምናዊ ምርመራ
  • ምስ ጥንሲ-ተንከፍ ጸገማትን ምጭብባጣትን ብትሓሓዝ ይሕግዙ 
  • ሕክምናዊ ክንክን ኣብ እዋን ሕርሲ (ወይድማ ኣብ እዋን ምብርዓን ጥንሲ) ኣብ ሆስፒታል፣ ኣብ ማእከል ሕርሲ ወይድማ ኣብ ገዛ
  • ክንክን ድሕሪ ሕርሲ; ሓደ ምርመራ ነታ ኣደ ድሕሪ ሕርሲ፣ ከምኡድማ ቀጻሊ ክትትል ህጻን ኣብቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና። 

ኣብ ገለ ከተማዊ ምምሕዳራት፣ መሕረሲት ናብ ገዛኺ መጽያ ክትርእየኪ ትኽእል እያ። 

ናይ ኣደነት ሓለዋ

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት:

ኣብ ኖርወይ፣ ኣስራሕቲ (ንኣብነት፣ ኩባንያታት) ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ንጥኑሳት ሰራሕተኛታት ምቾት ካብ ዝኸልኡን ካብ ማህሰይቲን ናጻ ከምዝኾነ ከረጋግጹ፣ ከምኡድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕሸል ወይ እታ ሰበይቲ ማህሰይቲ ከይበጽሕ ናይ ምክልኻል ግቡእ ኣለዎም። እቲ ኣስራሒ ንዓኺ ወይድማ ነቲ ዕሸል ሓደገኛ ክኸውን ዝኽእል ስራሕ ክትሰርሕ እንድሕር ዘገድደኪ ኮይኑ ንArbeidstilsynetክትነግሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ናይ ወሊድ ዕረፍቲን ናይ ክንክን ስድራ ዕረፍቲን:

ጥኑሳት ኣንስቲ ኣብ እዋን ጥንሲ ን 12 ሰሙን ካብ ስራሕ ከዕርፋ መሰል ኣለወን። እቲ ኣቦ ወይድማ ካልእ ነታ ኣደ ዝሕብሕብ ሰብ ናይ ክልተ ሰሙን ዕረፍቲ ክወስድ መሰል ኣለዎ። 

እገዳ ስራሕ ድሕሪ ሕርሲ:

ኣብ ኖርወይ፣ ኣብተን ድሕሪ ሕርሲ ዘለዋ ሽድሽተ ሰሙናት ስራሕ ክሰርሓ ኣይፍቀደለንን። ዋላ ክትሰርሒ እንተደለኺ ኣይፍቀደልኪን። ክትሰርሒ ክፍቀደልኪ እንተኾይኑ፣ እንተሰርሐት ይሓይሽ ዝብል ናይ ሓኪም መረጋገጺ ክህልወኪ ኣለዎ።

ሓለዋ ኣንጻር መስጎግቲ:

ጥንስቲ እንተኾንኪ፣ ኣስራሒኺ ግልጺ ዝኾነ ምስቲ ጥንሲ ዘይዛመድ ምኽንያት (ንኣብነት፣ ካብቲ ኣስራሒ ገለ ምስራቕ) እንተዘይሃልዩዎ ኣብ እዋን ጥንስኺ ካብ ስራሕ ክሰጎኪ ኣይክእልን። ብተወሳኺ ኣብ ናይ ወሊድ ፍቓድ እንከለኺ እውን ክትስጎጊ ኣይትኽእሊን። 

ስራሕ ገዲፍኪ ክትምርመሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ መሰል:

ጥንስቲ ሰራሕተኛ እንተኾንኪ፣ እቲ ኣስራሒኺ ዋላ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት፣ ኩሎም ሕክምናዊ መርመራታትኪ ክትገብሪ ክፈቕደልኪ ኣለዎ። ኣስራሒኺ ብምኽንያት ናብ ሕክምናዊ መርመራት ዝኸድክሎም ሰዓታት ዝኾነ መጠን ገንዘብ ካብ ደመወዝኪ ክንክየልኪ ኣይፍቀደሉን፣ ሙሉእ ደመወዝኪ ክትክፈሊ መሰል ኣለኪ።

ናይ ውሱን-እዋን ኮንትራት እንድሕር ኮይኑ ዘለኪ፣ እቲ ናይ ወሊድ ሓለዋ እቲ ናይ ውሱን-እዋን ኮንትራት ክሳዕ ዝውዳእ ይሰርሕ።

ናይ ወለዲ ፍቓድ

ከም መጠን ወለዲ ብሓፈሻ 12 ኣዋርሕ ናይ ወለዲ ፍቓድ ናይ ክትረኽቡ መሰልኩም እዩ። ኣብዘን 12 ኣዋርሕ ብተወሳኺ ብቑዓት እንተኾንኩም ናይ ወለዲ ረብሓታት ናይ ምርካብ መሰል እውን ኣለኩም። ብተወሳኺ፣ ኣብ ሕድሕድ ወሊድ ተወሰኽቲ 12 ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ኣለዉኹም፣ ይኹን እምበር ሽዕኡ ክፍሊት ናይ ምርካብ ወይ ኢኮኖምያዊ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል የብልኩምን። 

ሙሉእ ዕረፍቲ ኣብ ክንዲ ምውሳድ፣ ዕረፍቲኹም ብኸፊል ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም። ምስ ኣስራሒኹም ስምምዕ ክትገብሩ ኣለኩም። ከፊላዊ ዕረፍቲ እተወሲድኩም ተወሰኽቲ 12 ኣዋርሕ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ናይ ምርካብ መሰል የብልኩምን።  

ናይ ወለዲ ረብሓ

ከም መጠን ወለዲ ናይ ወለዲ ረብሓ ናይ ምርካብ መሰል ክህልወኩም ይኽእል እዩ። ናይ ወለዲ ረብሓ ንምርካብ ብቑዓት ንምዃን እንተወሓደ ካብተን ዝሓለፋ 10 ኣዋርሕ ን 6 ኣዋርሕ እተወሰነ እቶት ዝነበረኩም ክትኮኑ ኣለኩም። እቲ ናይ ወለዲ ረብሓ ንስኹም ኣብ ስራሕ እንተትኾኑ ኔርኩም ክትረኽብዎ ትኸኽሉ ኔርኩም ተባሂሉ ዝእመን እቶት ንምትካእ ዝወሃብ ክኽወን እንከሎ፣ መጠኑ ከኣ ደረት ዘለዎ እዩ። 

እንተደሊኹም ካብቲ ናይ ወለዲ ረብሓ 100 ሚእታዊት ወይከኣ 80 ሚእታዊት ክትወስዱ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም። 100 ሚእታዊት እንድሕር ትወስዱ እቲ ናይ ወለዲ ረብሓ ብሓፈሻ ን 49 ሰሙን ኢኹም ክትወስዱ። 80 ሚእታዊት እንድሕር ትወስዱ ድማ ብሓፈሻ ን 59 ሰሙን ክትወስዱ መሰል ኣለኩም። 

እቲ ናይ ወለዲ ረብሓ ከምዝስዕብ ይመቓቐል:

  • ናይ ኣደነት ብጽሒት: 15 ሰሙን ምስ ሙሉእ 100 ሚእታዊት ረብሓ። 19 ሰሙን ምስ ሙሉእ 80 ሚእታዊት ረብሓ። ካብዘን ሰሙናት እተን ሽዱሽተ ክብ ድሕሪ ሕርሲ ዝቑጸራ እየን። ብተወሳኺ፣ እታ ኣደ ናይ 3 ቅደመ ወሊድ ሰሙናት ረብሓታት ትረክብ። 
  • ናይ ኣቦነት ብጽሒት: 15 ሰሙን ምስ ሙሉእ 100 ሚእታዊት ረብሓ። 19 ሰሙን ምስ ሙሉእ 80 ሚእታዊት ረብሓ። እቲ ናይ ኣቦነት ብጽሒት ቅድሚ እቲ ሓበራዊ ግዜ ምውድኡ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ።
  • ናይ ሓባር ግዜ: 16 ሰሙን ምስ ሙሉእ 100 ሚእታዊት ረብሓ። 18 ሰሙን ምስ ሙሉእ 80 ሚእታዊት ረብሓ። እቲ ኣቦ ካብቲ ሓበራዊ ግዜ እንድሕር ወጽዩ፣ እታ ኣደ ናይ ግድን ገለ ቅቡል ንጥፈታት ክትከታተል ኣለዋ፣ ንኣብነት፣ ስራሕ፣ ትምህርቲ ወይድማ ኣብቲ ንሓደሽቲ ስደተኛታት ዝወሃብ መላለዪ ፕሮግራም ምስታፍ ። እታ ኣደ ብምኽንያት ሕማም ቆልዓ ኣብ ረድኤት ተደሪኻ ትሕብሕብ እንተኾይና ብፍሉይ ኣገባብ ይረኣየላ። 

ኣደታት ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ናይ ቅድመ ወሊድ ሰሙናት ናይ ወለዲ ረብሓ ክወስዳ ኣለወን። ኣደታት ቅድሚ ወሊድ እንተበዚሑ ናይ ዓሰርተኽልተ ሰሙናት ናይ ወለዲ ረብሓ ክወስዳ ይኽእላ እየን፣ ግን ድሕሪ ወሊድ ዝህሉ ናይ ሓባር ግዜ ከኣ ዝወሓደ ክኸውን እዩ። 

ኣብ እዋን ጥንስኺ ስራሕ ምስራሕ ነቲ ዕሸል ክሃስዮ ይኽእል እዩ ብዝብል ምኽንያት ስራሕ ክትሰርሒ እንተዘይክኢልኪ፣ ናይ ጥንሲ ረብሓ ናይ ምርካብ መሰል እውን ክህልወኪ ይኽእል እዩ። 

ናይ ወለዲ ረብሓ ክረኽባ ዘኽእለን እቶት ዘይነበረን ኣደታት ከኣ ጥቕሉል ናይ ወሊድን ናይ ርዕመት ገንዘባዊ ረድኤትን ክወሃባ ይኽእላ

ምስ ጥንሲ ንዝዛመዱ ገንዘባዊ ደገፋት ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታታት ካብ Nav ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ቆልዓ ሓገዛትን ጥረገንዘብ-ን-ኽንክን ሓገዛትን

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ምሳኹም ዝነብሩ ቆልዑት እንተልዮሙኹም፣ ናይ ቆልዑት ሓገዝ ክትረኽቡ መሰል ክህልወኩም ይኽእል እዩ። ናይ ቆልዓ ሓገዛት ዕላማ መዕበዪ ቆልዓ ወጻኢታት ምሽፋን ክኸውን እንከሎ፣ ብመሰረት ዘለውኹም በዝሒ ቆልዑት እዩ ዝግበጥ። ናይ ቆልዓ ሓገዛት ንምርካብ እቲ ቆልዓ ናይ ግድን ናይ ኖርወይ ነባራይ ክኸውን፣ ከምኡድማ ንስኹም ናይ ግድን ሕጋዊ ነበርቲ ናይታ ሃገር ክትኮኑ ኣለኩም። እቲ ናይ ቆልዓ መዕበዪ ሓገዝ ክሳዕ እታ ዕድሚኡ 18 ዓመት ቅድሚ ምምልኡ ዘላ ወርሒ ይቕጽል። 

ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 1 ዓመትን 2 ዓመትን ዝርከቡ ቆልዑት እንተልዮምኹምሞ እዚኦም ቆልዑት ብመንግስቲ ኣብ ዝምወል ናይ ቅድመ-ትምህርቲ መውዓሊ ቆልዑት ማእከል ናይ ሙሉእ ገዜ ቦታ ዘይተዋህቦም እንተኾይኑ፣ ጥረገንዘብ-ን-ክንክን ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ክህልወኩም ይኽእል እዩ። ብሓፈሻ እዚ ረብሓ ንኽትረኽቡ ክልቴኹም ማለት ንስኹምን እቶም ቆልዑትን ነበርቲ ኖርወይ ክትኮኑ ኣለኩም። ብተወሳኺ፣ እንተወሓደ ን 5 ዓመት ናይ መደብ ሃገራዊ መድሕን ("folketrygden") ኣባል ኮንኩም ክትጸንሑ ኣለኩም። እቲ ቆልዓ ምስ ክልቲኦም ወለዱ ዝነብር እንተኾይኑ ድማ፣ ክልቴኹም እንተወሓደ ን 5 ዓመት ናይ መደብ ሃገራዊ መድሕን ኣባል ኮንኩም ክትጸንሑ ኣለኩም። እቲ ጥረገንዘብ-ን-ክንክን ረብሓ ንልዕሊ 11 ኣዋርሕ ኣይወሃብን። 

ሕቶታት ብዛዕባ ጥንስኺ

ጥንስቲ እንተኾንኪሞ ማዕዳ እንተደሊኺ ንሓፈሻዊ ሓኪምኪ ወይ ነቲ ናይ ምኽሪ አገልግሎት ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺAmathea ንጥኑሳት ኣንስቲን መጻምድተንን ብናጻ ኣገልግሎት ምኽሪ ይህብ። 

ኣብ ኖርወይ፣ ኩሎም ናይ ጥዕና ሞያውያን ሚስጢራዊነት ናይ ምሕላው ሕጋዊ ግቡእ ኣለዎም፣ እዚ ማለት ንሳቶም ንስኺ ዝነገርክዮም ነገር ንዝኾነ ሰብ ዋላ ንስድራቤትኪን ንመጻምድትኺን ኣሕሊፎም ክህቡ ኣይኽእሉን ማለት እዩ።