ርዕመት ንዘይወለድኩሞ ቆልዓ ብሕጋዊ ኣገባብ ወለዲ እትኾኑሉ መስርሕ እዩ። ርዕመታዊ ወለዲ ናይቲ ቆልዓ ሕጋዎት ወለዲ እዮም። ቆልዓ ክትርዕም እንከለኻ፣ ንሳ/ንሱ ድሕሪ ሕጂ ምስ ተፈጥሮኣዊ (ዝወለዱዎ) ወለዱ/ወለዳ ሕጋዊ ርክብ ኣይህልዎምን ማለት እዩ።

ኣብ ኖርወይ ቆልዓ ክትርዕሙ ትኽእሉ ኢኹም

  • ዘይትፈልጡዎ ቆልዓ
  • እትፈልጡዎ ቆልዓ
  • ካብ ካልእ ሃገር ዝመጸ ቆልዓ ክትርዕሙ ትኽእሉ ኢኹም።

ብተወሳኺ ናይ በዓልቲ ሓዳርካ ወይ ናይቲ ምሳኺ ዝነብር ሰብ ቆልዓ እውን ክትርዕሙ ትኽእሉ ኢኾም። 

ረቛሒታት ርዕመት ኣብ ኖርወይ

ሓደ ቆልዓ ኣብ ኖርወይ ክረዓም እንተኾይኑ፣ እቶም ተፈጥሮኣዊ ወለዱ ናይ ግድን ክፈቕዱ ኣለዎም። ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት ድማ ክረዓሙ ባዕሎም ክፈቕዱ ኣለዎም።

ቆልዓ ክትርዕም እከለኻ፣ ብቐዋሚነት እዩ። እዚ ጸገማት እንተተፈጢሮም ወይከኣ እቲ ቆልዓ ካብቲ መጀመርያ ዝሓሰብካየ ዝተፈልየ እንተኾይኑካ ክትመልሶ ኣይትኽእልን ማለት እዩ።

ቆልዓ ምርዓም

ሕጊ ሽምግልና ርዕመት ኣብ ኖርወይ

ኣብ ኖርወይ፣ ሽምግልና ርዕመት በቲ ናይ ርዕመት በዓልመዚ ወይከኣ ብገለ ትካላት ጥራይ እዩ ዝካየድ። እቶም ሰለስተ ዝተፈቕደሎም ናይ ርዕመት ትካላት Adopsjonsforum፣ Verdens Barn ከምኡድማ InorAdopt እዮም

መን እዩ ክርዕም ዝኽእል?

ክልቲኦም ዝተመርዓዉ መጻምድቲ፣ ብሓባር ዝነብሩ ሰባት ከምኡድማ ኣስኮብሊታት ቆልዑት ክርዕሙ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኖርወይ፣ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መጻምድቲ እውን ቆልዑት ክርዕሙ ይኽእሉ እዮም። 

ከም ሓፈሻዊ ኣካይዳ፣ እቶም መጻምድቲ ብሓባር ኮይኖም እዮም ነቲ ቆልዓ ክርዕምዎ ዘለዎም። እዚ ማለት ክልቲኦም መጻምድቲ ናይ ግድን ቆልዓ ወሊዶም ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ክወስዱ ድልየት ክህልዎም ኣለዎ ማለት እዩ። 

ዋላ ቆልዓ እናሃለወኩም እውን ቆልዓ ክትርዕሙ ትኽእሉ ኢኹም። 

ቆልዓኻ ንርዕመት ምሃብ

ናይ ግድን ፍቓድካ ክትህብ ኣለካ

ሓደ ቆልዓ ንኽረዓም ዕድሚኡ እንተነኣሰ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ። እቶም ተፈጥሮኣዊ ወለዱ እቲ ቆልዓ ክረዓም ክፈቕዱ ኣለዎም። ቆልዓኻ ንርዕመት ክትህብዎ እንተደሊኹም፣ ዋላ ቅድሚ ምውላድኩም እንታይ ሓገዝ ክትረኽቡ ከምትኽእሉ ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ነቲ ናይ ርዕመት በዓልመዚ ከተዘራርብዎ ትኽእሉ ኢኹም። 

ኩሎም መሰላትኩም ትስእኑ

ርዕመት ቀዋሚ ስለዝኾነ ምስራዝ ኣይከኣልን። ቆልዓኹም እንድሕር ተራዒሙ፣ ብድሕሪኡ ምስኡ ሕጋዊ ርክብ ኣይህልወኩምን። ድሕሪ ሕጂ ብሕጊ ከም ናይቲ ቆልዓ ወለዲ ኣይትቑጸሩን ከምኡድማ ነቲ ቆልዓ ክትርእዩዎ ወይ ክትሕብሕቡዎ መሰል ኣይህልወኩምን።

ቆልዓኹም ብህይወት ይንብር ምህላዉን መን ከምዝረዓሞ/መቶ ናይ ምፍላጥ መሰል ኣለኩም። እቶም ዝረዓሙ መዕበይቲ እቲ ቆልዓ ዝተርዓመ ከምዝኾነ ክነግርዎ ግዴታ ኣለዎም። 

ዝተርዓመ ቆልዓ ዕድሚኡ 18 ዓመት ምስመልአ፣ ተፈጥሮኣዊ ወለዱ መን ከምዝኾኑ በቲ ናይ ርዕመት ትካል ክንገሮ መሰል ኣለዎ። እቲ ናይ ርዕመት በዓልመዚ ነቲ ቆልዓ መሰላቱ ዝገልጽ ደብዳበ ክልእኸሉ እዩ። 

ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል

ኣብ ኖርወይ ወይከኣ ኣብ ወጻኢ ዝተወልደ ቆልዓ ክትርዕሙ እንተደሊኹም ኣብቲ እትነብሩሉ ዞባ ካብ ዝርከብ ናይ ርዕመት በዓልመዚy ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። 

እቲ በዓልመዚ ርዕመት ንርዕመት ንዝዳለዉ ሰባት ዝወሃብ ኣስገዳድ ትምህርቲ ኣለዎ፣ ቆልዓ ክርዕሙ መሕተቲ ዘእትዉ ሰባት ይግምግም፣ ካብኡ ንርዕመት ቅቡላት ዝኾኑ ወለዱ እንመን ከምዝኾኑ ይውስን። 

ቆልዑት ካብ ወጻኢ ምርዓም

ኖርወይን ካልኦት ልዕሊ 60 ሃገራትን ንዓለምለኻዊ ርዕመት ብዝምልከት ንጹራት ናይ ህጻን መሰላት ሓለዋ ሕጊታት ኣለዉወን። ወጻእተኛታት ቆልዑት ኣብ ኖርወይ ክረዓሙ ዝኽእሉ ኣብቲ መበቆላዊ ሃገሮም ክረዓሙ ዝከኣል እንተዘይኮይኑ ጥራይ እዩ።

ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ብርዕመት ናብ ኖርወይ ዝመጹ ቆልዑት ሓደ ወይ ክልቲኦም ረዓምቲ ወለዲ ዜጋታት ኖርወይ እንተኾይኖም ኣብቲ ዝተርዓሙሉ እዋን ብቐጥታ ናይ ኖርወይ ዜግነት ይረኽቡ።