ኣብ ኖርወይ፣ ኩሉ ሰብ ጾታ ብዘየገድስ ማዕረ መሰላት ኣለዉዎ ብማዕረ ሕጊ ከኣ ይግዛእ።

ኣብ ኖርወይ፣ ሰባት ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ብምዃኖም ምኽንያት ማዕረ ኣልያ ዘይምግባር ወይ ኣድልዎ ምፍጻም ብሕጊ ክልኩል እዩ። እዚ ኩሎም ሰባት ኣብ ሕድሕድ ናይ ህይወቶም መዳይ ማዕረ ዕድላት ክረኽቡ ኣለዎም ማለት እዩ: ውልቃዊ ህይወት፣ ሞያዊ ህይወትን ስድራቤታዊ ህይወትን። ንኣብነት፣ ጾታ ብዘየገድስ፣ ኩሎም ሰባት እዞም ዝስዕቡ መሰላት ኣለዉዎም:

  • ትምህርቲ ናይ ምምሃር;
  • ንገዛእርእሱ/እገዛእርእሳ እንታይ ዓይነት ሞያ ክመሃር/ክትመሃር ከምዘለዎም ምውሳን;
  • ንሳ/ንሱ ክምርዓዉ ይደልዩዶ ኣይደልዩን ባዕላ/ባዕሉ ክውስኑ;
  • ንሳ/ንሱ ቆልዑት ክወልዱ ይደልዩዶ ኣይደልዩን ባዕላ/ባዕሉ ይውስን።

እቲ ናይ ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ሕጋገ ("Likestilling- og diskrimineringsloven")

እዚ ሕጋገ ማዕርነት ንምስፋንን ኣብ ጾታጥንሲ፣ ምስ ቆልዑት ወይ ርዕመት ዝተተሓሓዘ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ፣ ናይ ክንክን ግቡኣት፣ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ እምነት፣ ስንክልናወሲባዊ ዝንባለጾታዊ መንነት፣ ዕድመ ወይድማ ካልኦት ኣገደስቲ ባህሪታት ሰብ ዝተደረኸ ኣድልዎታት ከይፍጸም ንምክልኻል ዝወጸ ሕጊ እዩ።

ማዕርነት ማለት ማዕረ ኩነታት፣ ማዕረ ዕድላት ከምኡድማ ማዕረ መሰላት ማለት እዩ። ማዕርነት ኣቐዲምካ ምግማት ተበጻሕነት ከምኡድማ ኣኮመዴሽንስ።

ሓገዝን ደገፍን

ኣድልዎ እንድሕር ተፈጺሙኩም ካብ ትካል ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ማዕዳን ሓበሬታዊ መምርሒን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም

እቲ ትካል ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ጥርዓን ኣብ ምምላእ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ንሳቶም ሰብኣይን ሰበይቲን ማዕረ ክረኣዩ ይሰርሑ፣ ከምኡድማ ኣብ ጾታ፣ ዓሌት፣ ሃይማኖት፣ ስንክልናወሲባዊ ዝንባለጾታዊ መንነት፣ ጾታዊ መግለጺን ዕድመን ዝተደረኹ ኣድልዎታት ከይፍጸሙ ይቃለሱ።

እቲ ትካል ናይ ኖርወይ ሕጊ ምስቶም ኩሎም ኣንጻር ደቂኣነስትዮ ዝቐንዑ ኣድልዎታት (CEDAW) ንውጋድ ዝወተ ናዩ ሕቡራት ሃገራት ኣዋጅ፣ ንዘርኣዊ ኣድልዎ ዝምልከት ኣዋጅ (CERD) ከምኡድማ ኣዋጅ መሰላት ስንኩላን ሰባት (CRPD) ዝሳነዩ ምዃኖም ናይ ምርግጋጽ መሰል ኣለዎ።