ሽርሙጥና እንታይ እዩ?

ሽርሙጥና ስጋዊ ርክብ ሂብካ ሰልዲ ወይ ካልእ ረብሓታት ምቕባል ማለት እዩ። ስጋዊ ርክብ ዝሸጡ ሰባት ሓደሓደ ግዜ ነጋዶ ስጋዊ ርክብ ወይከኣ ሸራሙጥ ተባሂሎም ይጽውዑ።

መሸጣ ስጋዊ ርክብ ኣብ ኖርወይ ሕጋዊ እዩ

ኣብ ኖርወይ ስጋዊ ርክብ ምሻጥ ሕጋዊ እዩ፣ ስጋዊ ርክብ ምዕዳግ ግን ክልኩል እዩ።

ስጋዊ ርክብ ዝሸጡ ሰባት ምስ ካልኦት ሰባት ማዕረ መሰል ኣለዎም። እዞም ዝስዕቡ ክገብሩ ይኽእሉ:

  • ንዓማዊሎም እምቢ ክብሉ;
  • ዘይደለያኦ ዓይነት ወሲባዊ ተግባር ምግባር ክኣብያ;
  • እንተደልየን ስጋዊ ርክብ ምሻጥ ክሓድጋኦ ይኽእላ።

ብኢንተርኔት፣ ብጋዜጣታት ወይ መጽሄታት፣ ወይከኣ ብሴለዳታት፣ ወዘተ ብምውዕዋዕ ስጋዊ ርክብ ምቕራብ፣ ምድላል ወይ ስጋዊ ርክብ ንምዕዳግ ወይ ንምሻጥ ምሕታት ብሕጊ ኣይፍቀድን። ናይ ስጋዊ ርክብ መሸጣ ወይ ዕደጋ ምውዕዋዕ ብገንዘብ ወይ ብማእሰርቲ የቕጽዕ።

ስጋዊ ርክብ ምዕዳግ ኣይፍቀድን

ኣብ ኖርወይ ስጋዊ ርክብ ምዕዳግ ክልኩል እዩ። ንዜጋታት ኖርወይን ኣብ ኖርወይ ንዝነብሩ ሰባትን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኬድካ ስጋዊ ርክብ ምዕዳግ እውን ብሕጊ ክልኩል እዩ

ኣስገዳድ ሽርሙጥናን ትራፊኪንግን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብሕጊ ክልኩላት እዮም።

ካልኦት ወሲብ ክሸጣ ብምግባር ገንዘብ ምእካብ ኣይፍቀድን።

ኣብ ኖርወይ ካልኦት ወሲብ ክሸጣ ብምግባር ገንዘብ ምእካብ ብሕጊ ኣይፍቀድን። እዚ እዞም ዝስዕቡ ተግባርት እውን ብሕጊ ክልኩላት ከምዝኾኑ የርእየና:

  • ካልኦት ሰባት ወሲብ ክሸጣ ምትብባዕ፣ ወይድማ
  • ወሲብ ክሸጣ ንዝደልያ ሰባት፣ ኣፓርትመንት፣ ትካል ወይ ናይ ሆቴል ክፍሊ ምክራይ።

ካልኦት ወሲብ ክሸጣ ምግዳድ እውን ብሕጊ ክልኩል እዩ። ንመጻምድትኻ ወሲብ ክትሸይጥ ምግዳድ እውን ኣይከኣልን።