ትራንስ ሰባት ካብቲ ክውለዱ እንከለዉ ዝተዋህቦም ጾታዊ መንነት ዝተፈልየ መግለጺ ጾታዊ መንነት ዘማዕበሉ ሰባት እዮም።

ጾታ መረጋገጺ ሕክምና

ገለ ሰባት እቲ ክውለዱ እንከለዉ ዝተውሃቦም ጾታዊ መንነት ምስቲ ግቡእ ንሶም ዝደልዩዎ ጾታዊ መንነቶም ስለዘይዛመድ ንኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ጸገማት ይቃልዑ። በዚ ምኽንያት፣ ገለ ሰባት ነቲ ግቡእ ጾታዊ መንነቶም ዝገልጽ ቅርጺ ሰውነት መታን ክህልዎም ከም ሆርሞናዊ ሕክምና ከምኡድማ/ወይድማ መጥባሕታዊ ስርሒታት ክገብሩ ይደልዩ። እዚ ሕክምና ከም ኣካል ኣገልግሎት ጥዕና ኖርወይ ኮይኑ ይወሃብ እዩ።

ጾታዊ መግለጺን ሕጋዊ ጾታን ናይ ምምራጽ መሰል

ኣብ ኖርወይ፣ ዝደለኻዮ ጾታዊ መግለጺ ናይ ምውናን መሰል ኣለካ። ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሜኻ እንተኾንካ እውን ስምካን ሕጋዊ ጾታኻን ናይ ምቕያር መሰል ኣለካ። ኣብ ልዕሊ ትሕቲ 16. ዓመት ዝዕድሜኦም ሰባት ካልኦት ደንቢታት ተግባራዊ ይኾኑ።

ኣድልዎ ኣይፍቀድን

ኣብ ኖርወይ፣ ኩሉ ሰብ ጾታ ብዘየገድስ ማዕረ መሰላት ኣለዉዎ ብማዕረ ሕጊ ከኣ ይግዛእ።

ኣብ ኖርወይ፣ ብምኽንያት ጾታ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣድልዎ ምፍጻም ወይከኣ ዘይማዕርነታዊ ኣልያ ምግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ። እዚ ኩሎም ሰባት ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦምን ሞያዊ ህይወቶምን ማዕረ ዕድላት ክረኽቡ ኣለዎም ማለት እዩ። እዚ ኣብ ሕጋገ ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ሰፊሩ ይርከብ። 

ኣድልዎ እንድሕር ተፈጺሙኩም ካብ ትካል ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ማዕዳን ሓበሬታዊ መምርሒን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም