ንገዛእርእስኺ ናይ ምውሳን መሰል
ኣብ ኖርወይ፣ ሰባት ንገዛእርእሶም ባዕሎም ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎም
- ምስ መን ክኾኑ/ጥቡቕ ርክብ ክምስርቱ ከምዘለዎም፣
- ስጋዊ ርክብ ምስ መንንን ኣብ ከክንደይ ግዜን ክትገብሩ ከምዘለዎም፣
- ክምርዓዉ ይደልዩዶ ኣይደልዩን፣
- ንመን ክምርዓዉ ከምዝደልዩ ከምኡድማ
- ከይተመርዓዉ ብሓባር ክነብሩ ዝደልዩ እንተኾይኖም።
ዝኾነ ሰብ እዞም ዝስዕቡ ክገብር ክግደድ የብሉን
- ከይደለዩ እንከለዉ ምስ መን ክኾኑ/ጥቡቕ ርክብ ክምስርቱ ከምዘለዎም፣
- ከይደለዩ እንከለዉ ምስ ዝኾነ ስጋዊ ርክብ ክገብሩ፣
- ከይደለዩ እንከለዉ ንዝኾነ ሰብ ክምርዓው/ክትምርዓው ክግደዱ የብሎምን።
እዚ ንኹሎም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ሰባት ይምልከት፣ ዋላ
- ካብ ዝኾነ ሃገር ይምጽኡ፣
- ሰብኡት ድዮም ኣንስቲ፣
- ካበይ ዞባ መጺኦም፣
- ሕብሪ ቆርበቶም እንታይ እዩ፣
- ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ ወይከኣ ሰብኣይ እዩ ምስ ሰበይቲ ክኾኑ ክደልዩ ይኽእሉ (ሄትሮሴክሽዋል)፣
- ሰበይቲ ምስ ሰበይቲ ድዮን ዋላስ ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ እዮም ክኾኑ ደልዮም (ግብረሰዶም) ብዘየገድስ።
መሰልኪ ክገሃስ እንከሎ ኣበይ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ?
ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየትኪ፣ ምሳኺ ክኸውን
- እንተደልዩ/ምሳኺ ጥቡቕ ርክብ ክምስርት እንተደልዩ፣
- ክምርዓወኪ እንተደልዩ፣
- ምሳኺ ስጋዊ ርክብ ክገብር እንተደልዩ ወይድማ
- ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየትኪ ምሳኺ ስጋዊ ርክብ እንተገይሩ፣
ሽዕኡ ንስኺ
- ናብ ፖሊስ ኬድኪ እዚ ሰብ ሪፖርት ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
- ብተወሳኺ ናብ ማእከል ምኽሪ እውን ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።
ሓለዋ ህጻናትን ኣናእሽተይ ሰባትን
ቆልዑትን ኣናእሽተይ ሰባትን ንምክልኻል ዝወጹ ፍሉያት ሕጊታት ኣለዉ።