ንገዛእርእስኺ ናይ ምውሳን መሰል

ኣብ ኖርወይ፣ ሰባት ንገዛእርእሶም ባዕሎም ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎም

  • ምስ መን ክኾኑ/ጥቡቕ ርክብ ክምስርቱ ከምዘለዎም፣
  • ስጋዊ ርክብ ምስ መንንን ኣብ ከክንደይ ግዜን ክትገብሩ ከምዘለዎም
  • ክምርዓዉ ይደልዩዶ ኣይደልዩን
  • ንመን ክምርዓዉ ከምዝደልዩ ከምኡድማ
  • ከይተመርዓዉ ብሓባር ክነብሩ ዝደልዩ እንተኾይኖም።

ዝኾነ ሰብ እዞም ዝስዕቡ ክገብር ክግደድ የብሉን

  • ከይደለዩ እንከለዉ ምስ መን ክኾኑ/ጥቡቕ ርክብ ክምስርቱ ከምዘለዎም፣
  • ከይደለዩ እንከለዉ ምስ ዝኾነ ስጋዊ ርክብ ክገብሩ፣
  • ከይደለዩ እንከለዉ ንዝኾነ ሰብ ክምርዓው/ክትምርዓው ክግደዱ የብሎምን።

እዚ ንኹሎም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ሰባት ይምልከት፣ ዋላ

  • ካብ ዝኾነ ሃገር ይምጽኡ፣
  • ሰብኡት ድዮም ኣንስቲ፣
  • ካበይ ዞባ መጺኦም፣
  • ሕብሪ ቆርበቶም እንታይ እዩ፣
  • ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ ወይከኣ ሰብኣይ እዩ ምስ ሰበይቲ ክኾኑ ክደልዩ ይኽእሉ (ሄትሮሴክሽዋል)፣
  • ሰበይቲ ምስ ሰበይቲ ድዮን ዋላስ ሰብኣይ ምስ ሰብኣይ እዮም ክኾኑ ደልዮም (ግብረሰዶም) ብዘየገድስ።

መሰልኪ ክገሃስ እንከሎ ኣበይ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ?

ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየትኪ፣ ምሳኺ ክኸውን

  • እንተደልዩ/ምሳኺ ጥቡቕ ርክብ ክምስርት እንተደልዩ፣
  • ክምርዓወኪ እንተደልዩ፣
  • ምሳኺ ስጋዊ ርክብ ክገብር እንተደልዩ ወይድማ
  • ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየትኪ ምሳኺ ስጋዊ ርክብ እንተገይሩ፣

ሽዕኡ ንስኺ

  1. ናብ ፖሊስ ኬድኪ እዚ ሰብ ሪፖርት ክትገብርዮ ትኽእሊ ኢኺ።
  2. ብተወሳኺ ናብ ማእከል ምኽሪ እውን ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ

ሓለዋ ህጻናትን ኣናእሽተይ ሰባትን

ቆልዑትን ኣናእሽተይ ሰባትን ንምክልኻል ዝወጹ ፍሉያት ሕጊታት ኣለዉ።