ስነ ስጋዊ ርክብ ብዝምልከት መሰላተይ እንታይ እዮም?

ስነ ስጋዊ ርክብ ዝምልከቱ መሰላትኪ ካብ ሰብኣዊ መሰላት ዝምንጭዉ እዮም። ሰብኣዊ መሰላት መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም ዝፈረማሉ ጉዳይ እዩ። እዚኦም ኣብ ኖርወይ እውን ተግባራዊ ይኾኑ እዮም። 

ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ ናይ ባዕልኺ ውሳነ ናይ ምውሳን መሰል

ብዛዕባ ስነ ስጋዊ ርክብኪ ባዕልኺ ናይ ምውሳን መሰል ኣለኪ። ብተወሳኺ ስነ ስጋዊ ርክብኪ ብኸመይ ከምቲ ሕጂ ዘለዎ ክተቐጽልዮ ከምትደልዪ ናይ ምውሳን መሰል እውን ናትኪ እዩ።

ኩሎም ወሲባዊ ተግባራት - ዝተፈጸሙሉ ዕድመ ብዘየገድስ - ኣብ ድሌት ዝተደረኹ ክኾኑ ኣለዎም; እዚ ክበሃል እንከሎ ዝኾነ ሰብ ንስኺ ወሲባዊ ተግባራት ክትገብሪ ከገድደኪ ኣይክእልን ማለት እዩ።

መጻምድትኺ ብናጽነት ናይ ምምራጽ መሰል ኣለኪ።

ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት ስነወሲባዊነትኪ ኣድልዎ ክገብረልኪ ወይ ከጥቀዐኪ ኣይፍቀደሉን።

ማዕርነታዊ ኣልያ ናይ ምርካብ መሰል

ኣብ ኖርወይ ኩሉሰብ ማዕርነታዊ ኣልያ ክረክብ መሰል ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት ጾታኺ፣ መበቆልኪ፣ ሃይማኖትኪ፣ ኣተሓሳስባኺ፣ ዕድመኺ፣ ኩነታት ጥዕናኺ (ንኣብነት፣ ኤችኣይቪ እንተልዩኪ፣ ኣካላዊ/ኣእምሮኣዊ ስንክልና እንተለኪ) ወይድማ ወሲባዊ ዝንባለኺ ኣድልዎ ክገብረልኪ ኣይፍቀደሉን።

ናይ ምምርዓው ወይ ናይ ዘይምምርዓው መሰል

ክትምርዖ ትደሊዶ ኣይትደሊን፣ ንመን ክትምርዖ ትደሊ ከምኡድማ መዓስ ክትምርዖ ትደሊ ናይ ምውሳን መሰል ናይ ባዕልኻ እዩ። ዝኾነ ሰብ ንዝኾነ ሰብ ክትምርዓዊ ከገድደኪ ኣይፍቀደሉን። ክትምርዓዊ ከምዘይትደልዪ እውን ክትውስኒ ትኽእሊ ኢኺ።

እንድሕር ተምርዒኺሞ ካብ ሕጂ ንዳሓር ምርዕውቲ ኮንኪ ክትቅጽሊ እንድሕር ዘይትደልዪ ኮንኪ፣ ክትፋትሒ ትኽእሊ ኢኺ።

ምጣነ ስድራ ናይ ምጥቃም መሰል

ንስኺን መጻምድትኺን ክንደይ ቆልዑት ክትወልዱ ከምዘለኩም ብሓባር ትውስኑ። ዝኾነ ሰብ ቆልዑት ክትወልዲ ከገድደኪ ኣይፍቀደሉን። ምስ ማጻምድትኺ ብምዝርራብ፣ ብሓባር ወስኑ።  

ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ሓበሬታ ናይ ምርካብን መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ምጥቃምን መሰል

ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ሓበሬታ ክትረኽቢ መሰል ኣለኪ። ቆልዑትን በጽሒታትን ንመከላኸሊ ጥንሲ ዝምልከት ሓበሬታ ብመንገዲ ትምህርቲ ስጋዊ ርክብ ኣብ ቤት-ትምህርቲ፣ ካብ ኣገልግሎት ጥዕና ናይቲ ቤት-ትምህርቲ ወይድማ ካብ ማእከላት ጥዕና መንእሰያት ይረኽቡ። ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ድማ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪሞም ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ። ብተወሳኺ፣ "Sex and Samfunn" ብዛዕባ እዚ ጉዳይ በረርቲ ወረቐታትን ናይ ኦንላይን ሓበሬታታትን ይህብ።

መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀሚ ዲኺ ኣይትጥቀሚን ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ። እቲ ውሳነ ብሓባር መታን ክትውስኑዎ ምስ መጻምድትኺ ክትዘራረብሉ ክትደልዪ ትኽእሊ ኢኺ። 

ኣዋልድን ኣንስቲን ዘይተደልየ ጥንሲ ብዝምልከት ዘለወን መሰላት

ኣብ ኖርወይ፣ ኣዋልድን ኣንስቲን ክሳዕ መበል 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ብዛዕባ ምንጻል ጥንሲ ምግባር ባዕለን እየን ዝውስና። ድሕሪ 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን እውን ምንጻል ጥንሲ ምግባር ይከኣል እዩ፣ ግን ሽዕኡ ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ኣለዉ። 

ምኽሪን ሓገዝን ቅድሚን ድሕሪን ምንጻል ጥንሲ ክቐርበልክን እዩ።

ኣዋልድን ኣንስትን ምንጻል ጥንሲ ክገብራ ምግዳድ ኣይፍቀድን።

ካብ ወሲባዊ መጥቃዕቲ ናጻ ናይ ምዃን መሰል

ወናኒት ኣካላትኪ ንስኺ ጥራይ ኢኺ ስለዚ ንስኺ ጥራይ ኢኺ ኣካላትኪ መን ክትንክፈኪ መን ከይትንክፈኪ ትውስኒ። ስለዚ መጻምድትኺ፣ ኣባላት ስድራቤትኪ ወይድማ እትፈልጥዮም ሰባት ኣካላትኪ ክትንክፉኺን ዘይክትንክፉኺን ትውስኒ ባዕልኺ ጥራይ ኢኺ። ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየትኪ እንድሕር ተንኪፉኪ ወይከኣ ወሲባዊ ተግባራት ክትገብሪ እንድሕር ኣገዲዱኪ፣ እዚ ወሲባዊ ዓመጽ እዩ። ብዛዕባ እዚ ንእትኣምንዮ ሰብ ተዛረቢ።

ንመን ክትዛረቢ ከምዘለኪ እንድሕር ዘይትፈልጢ፣ ሓገዝ ክትረኽቢሎም እትኽእሊ ብዙሓት ቦታታት ኣለዉ። ብተወሳኺ ንግዳያት መጥቃዕቲ ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ኦንላይን መምርሒ እውን ኣሎ። ኩሎም ጾታታት፣ እንኮላይ ወዲ/ሰብኣይ፣ ግዳያት ወሲባዊ መጥቃዕቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።