ወሲባዊ ዝንባለ ሰባት ኣብ ፍቓራዊን ወሲባዊን ስሕበት ምስ ዝጠሓሉሉ ዓይነት ጾታ(ታት) ዝግበር ርክብ እዩ። ምስ ተቓራኒ ጾታ ክትሰሓሓብ (ሄትሮሴክሽወሊቲ) ትኽእል፣ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ክትሰሓሓብ ትኽእል (ግብረሰዶማዊነት) ወይድማ ምስ ዝኾነ ጾታ ክትሰሓሓብ ትኽእል ኢኻ (ድርብጾታዊ)።

ወሲባዊ ዝንባለኡ/ዝንባለኣ ክመርጽ ዝኽእል ሰብ የለን። እተፈላለዩ ሰባት እተፈላለየ ጾታዊ ዝንባለ ክህልዎም ይኽእል። ወለዲ ብኣተዓባብያ ኣቢሎም ቆልዑቶም ግብረሰዶማውያን፣ ሄትሮሴክሽዋል ወይድማ ድርብጾታውያን ክኾኑ ክጸልዉዎም ኣይኽእሉን።

እቲ ኩነታት ኣብ ኖርወይ

ኣብ ኖርወይ፣ ወሲባዊ ዝንባለኻ እንታይ እዩ ብዘየገድስ ዝደለኻዮ ሰብ ክትፈቱ መሰል ኣለካ። ንኣብነት፣ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ከምኡድማ/ወይድማ ሰብኣይ ከፍቅር ርክብ ክምስርትን ይኽእል እዩር; ሰበይቲ እውን ምስ ሰብኣይ ከምኡድማ/ወይድማ ምስ ሰበይቲ ክትፋቐርን ርክብ ክትምስርትን ትኽእል እያ።

ኣብ ኖርወይ፣ ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት ወሲባዊ ዝንባለኡ/ዝንባለኣ ክቕጽዑ የብሎምን። ሰባት ብምኽንያት ወሲባዊ ዝንባለኦም ዘይማዕርነታዊ ኣልያ ከጋጥሞም ወይከኣ ኣድልዎ ክፍጸመሎም ብሕጊ ክልኩል እዩ። እዚ ማለት ሰባት ግብረሰዶማውይና፣ ሄትሮሴክሽወል ወይድማ ድርብጾታዊ ብምዃኖም ጥቅሚ ክስእኑ ወይከኣ ኣድልዎ ክፍጸሞም የብሉን ማለት እዩ።

ሓገዝ እንተደሊኹም ወይ ገለ ሕቶ እንተለኩም

ብምኽንያት ወሲባዊ ዝንባለኹም ማዕርነት ዝጎደሎ ኣልያ እንተጋጢሙኩም ወይ ኣድልዎ እንተተፈጺሙኩም፣ ንትካል ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ከተዘራርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ገለ ሕቶታት ወይ ንወሲባዊ ዝንባለኹም ዝምልከቱ ስክፍታታት እንተልየሙኹም ንናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ወይድማ ንናይ መዛኑ ትካል እውን ከተዘራርቡ ትኽእሉ ኢኹም።