ናይ ፍትሕ ሕጊ ኣብ ኖርወይ

ሓዳር ብመንገዲ ሕጋዊ ምንጽጻል ወይከኣ ፍትሕ ብወግዒ ይፈርስ። ክልቲኦም መጻምድቲ ሓዳር፣ ሰብኣይ ይኹን ዋላ ሰበይቲ፣ ምፍልላይ ወይ ፍትሕ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኖርወይ፣ ሕጋዊ ምፍልላይ ወይ ፍትሕ ንምግባር ናይ ግድን ናብ  ኣማሓዳሪ ካውንቲ ("Fylkesmannen") ከተመልክቱ ኣለኩም። 

ፍትሕ ወይከኣ ሕጋዊ ምፍልላይ ዋላ ካብቶም መጻምድቲ ሓዲኦም ኣይድለዩ ክፍጸም ይከኣል እዩ። ክትፈላለይ ወይ ክትፋታሕ እንድሕር ኣመልኪትካ፣ ሓዳርካ ክፈርስ ዝደለኻሉ ምኽንያት ክትዛረብ ትጽቢት ኣይግበረልካን።

እቲ ናይ ፍትሕ መጠየቕታ ተቐባልነት ንኽረክብ፣ እቶም መጻምድቲ ናይ ግድን ብውሑዱ ንሓደ ዓመት ብሕጊ ተፈላልዮም ዝጸንሑ ወይድማ ኣብተን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ብሓንሳብ ዘይነበሩ ክኾኑ ኣለዎም። ናይ መጥቃዕቲ ከምኡድማ/ወይድማ ምዝመዛ ግዳይ እንተኾንኪ፣ ወይድማ እቲ ዝተመርዓኽዮ ሰብ ንኻልእ ሰብ እነተተመርዕዩ እውን ካልእ ከም ፍሉይ ምኽንያት ክውሰድ ዝኽእል ኩነታት እዩ። ሽዕኡ ናይ ፍትሕ መጠየቕታ ኣብቲ ከባቢያዊ ዲስትሪክት ናብ ዝርከብ ቤት-ፍርዲ ከተእትዊ ትኽእሊ ኢኺ። 

እቶም ሰብ ሓዳር ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት እንተልዮምዎም፣ ሕጋዊ ፍልልይ ወይ ፍትሕ ቅድሚ ምግባሮም ሽምግልና ክገብሩ ክራኸቡ ኣለዎም። ምሽምጋል ማለት እቶም መጻምድቲ መን ናይቶም ቆልዑት ግቡእ ክወስድ ከምዘለዎ፣ እቶም ቆልዑት ኣበይ ክጸንሑ ከምዘለዎም፣ ከምኡድማ ካልኦት ነቶም ቆልዑት ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት ብዝምልከት ክሰማምዑ ዝራኸቡሉ ኣካይዳ ማለት እዩ። እቲ ምሽምጋል ኣብ ከባብያዊ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ምኽሪ ቤተሰብ እዩ ዝካየድ። እቲ ኣገልግሎት ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ።

ናብቲ ኣማሓዳሪ ካውንቲ ናይ ፍትሕ መጠየቕታ ንምእታው እትኸፍሉዎ ክፍሊት የለን። 

ገንዘባዊ ሓገዝ

ድሕሪ ፍትሕ፣ ሕድሕድ መጻምድቲ ናይቲ ሓዳር ንገዛእርእሱ/ንገዛእርእሳ ግቡእ ይወስዱ። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፣ ንስኺ ወይ መጻምድትኺ ነቲ ዝፈታሕኽዮ/ኻያ መጻምድቲ ብገንዘብ ክትሕግዝ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ንዝያዳ ሓበሬታ፣ ን Nav ወይከኣ ንናይ ሕጊ ሞያዊ ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ንናይ ምኽሪ ኣገልግሎት እውን ከተዘራርቢ ትኽእሊ ኢኺ

ከም ልሙድ ኣሰራርሓ፣ ንስኺን ናይ ቀደም በዓል ሓዳርኪን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑት እንተልዮምኹምሞ፣ ሓዲኹም ምስቶም ቆልዑት እንድሕር ዘይትነብሩ፣ እቲ ምስቶም ቆልዑት ዘይነብር ወላዲ ነቲ ምስቶም ቆልዑት ዝነብር ወላዲ ገንዘብ ክኸፍል ኣለዎ። እዚ ናይ ቆልዓ ሓገዝ ይበሃል። 

እቶም ወለዲ ቅድሚ ምፍልላይ ወይ ፍትሕ ምሕታቶም ክሸማገሉ እንድሕር ተራኺቦም፣ ነቶም ቆልዑት መንክሕብሕቦም ከምዘለዎ (ቆልዑት ናይ ምዕባይ መሰል ዝወስድ)፣ እቶም ቆልዑት ኣበይ ክነብሩ ከምዘለዎም ከምኡድማ ሕድሕድ ወላዲ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ምስቶም ቆልዑት ከሕልፍ ከምዘለዎ ብዝምልከት ኣብ ስምምዕ ክትበጽሑ ኣለኩም። እቶም ወለዲ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ እንተዘይክኢሎም፣ ቤት-ፍርዲ ክውስነሎም ይኽእል እዩ። 

እቲ ጉዳይ ናብ ቤት-ፍርዲ ምውሳድ ብዙሕ ወጻኢ ክሓተኩም ይኽእል እዩ። ዓመታዊ እቶትካ ካብ ገለ መጠን ንታሕቲ እንተኾይኑ፣ ገለ ከፋል ናይ ቤት-ፍርዲ ወጻኢታትካ መንግስቲ ክሽፍነልካ እዩ። እዚ ናይ ሕጊ ረድኤት ይባሃል። ወጻኢታት ክሽፈኑልኩም እንተደሊኹም መሕተቲ ከተእትዉ ኣለኩም። እቲ መሕተቲ ናብቲ ናይ ካውንቲ ኣማሓዳሪ ክለኣኽ ኣለዎ።