ፖርኖግራፊ እንታይ እዩ?

ፖርኖግራፊ ንኣብነት ጽሑፋት፣ ስእሊታት፣ ሙቪታትን ካልኦት ወሲባዊ ተግባራት ዘርእዩ ስእላዊ መግለጺታትን ከጠቓልል ይኽእል። ፖርኖግራፊ ኣካለዊ ወሲባዊ ተግባራት ጥራይ እዩ ዘርኢ። ካልኦት ከም ፍቕሪ ምፍታው ዝኣመሰሉ ናይ ስነ ስጋዊ ርክብ መግለጺታት ኣብ ፖርኖግራፊ ቦታ የብሎምን። ይኹን እምበር፣ ፖርኖግራፊ ፈጺሙ ምስ ሓቃዊ ስጋዊ ርክብ ሓደ ዓይነት ኮይኑ ኣይፈልጥን። ፖርኖግራፊ ሰባት ኣብ ወሲባዊ ነገራት ዘለዎም ድሌት ንምዕጋብ የገልግል።

ኣብ ኖርወይ ፖርኖግራፊ ይፍቀድ ድዩ?

ኣብ ኖርወይ፣ ሕጋዊ ናይ ፖርኖግራፊ ማቴርያላት ብመልክዕ ጽሑፍ፣ ቀረጻታት፣ ስእሊታት፣ ሙቪታትን ስእላዊ መግለጺታትን ምስራሕ፣ ምርኣይ፣ ምውናን፣ ንኻልእ ምርኣይ፣ ምዕዳግ፣ ምሻጥ፣ ምንጋድ ወይድማ ምክፍፋል ፍቑድ እዩ። 

ሕጋዊ ፖርኖግራፊ

  1. ኩሎም ተሳተፍቲ ብድሌቶም እዮም ክሳተፉ ዘለዎም።
  2. ሕድሕድሰብ ኣብቲ ሕትመት ክወጽ ክስማዕማዕ ኣለዎ
  3. ኩሎም ተሳተፍቲ ዕድሚኦም እንተወሓደ 18 ዓመት ዝገበሩ ክኾኑ ኣለዎም
  4. ሓደ ሰብ ናይ ፖርኖግራፊ ማቴርያል ክሰርሕ፣ ክርኢ፣ ክውንን፣ ከርኢ፣ ክዕድግ፣ ክሸይጥ ወይ ብኻልእ መንገዲ ከከፋፍል እንተኾይኑ ዕድሚኡ እንተወሓደ 18 ዓመት ክመልእ ኣለዎ። ትሕቲ 18 ዓመት ንዝዕድሚኦም ሰባት ናይ ፖርኖግራፊ ማቴርያል ምርኣይ ወይ ምሃብ ብሕጊ ክልኩል እዩ

ዘይሕጋዊ ፖርኖግራፊ: እንታይ እዩ ክልኩል?

ኣብ ኖርወይ ክልኩላት ዝኾነ ገለ ዓይነታት ፖርኖግራፊ ኣለዉ። ከምኡ ዝበለ ፖርኖግራፊ ምስራሕ፣ ምርኣይ፣ ምውናን፣ ንኻልእ ምርኣይ፣ ምሻጥ፣ ምንጋድ ወይድማ ብኻልእ መንገዲ ምክፍፋል ብሕጊ ክልኩል እዩ

እዞም ዝስዕቡ ክልኩላት እዮም:

  • ከም ምዕማጽ ዝኣመሰሉ መጥቃዕታዊ ተግባራት
  • ሰባት ምስ እንስሳ ዝግበር ወሲባዊ ተግባራት
  • ምስ ህጻውንቲ ዝግበሩ ወሲባዊ ተግባራት (ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ፣ 'ናይ ህጻውንቲ ፖርኖግራፊ' ረኣይ)
  • ነቲ ቆልዓ ወሲባዊነት ብዘላብስ መንገዲ ነቲ ህጻን /ቆልዓ ብኸፊል ወይ ብሙሉእ ጥራሕ ነብሱ ምግባር 
  • ወሲባዊ መልእኽቲ ዘሕልፍ ናይ ህጻን ርሕሚ ኣካላት ስእሊ (ናይ ኣዋልድ ርሕሚ፣ መዓኮርን ኣጥቧትን ወይከኣ ናይ ኣወዳት መዓኮርን መትሎን)

ኣዝዩ ብዙሕ ፖርኖግራፊ

ከም ናይ ፖርኖግራፊ ሙቪታት ዝኣመሰሉ ፖርኖግራፊ እናሻዑ ትርኢ እንተኾንካ፣ ኣዝዩ ለልፊ ክኾነካ ይኽእል እዩ። ነብስኻ ምቁጽጻር ዝኣብየካ ዘሎ ኮይኑ እንተተሰሚዑካ፣ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ወይ ካብ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ከምኡድማ ካብ ኣገልግሎታት ጥዕና ቤት ትምህርቲ ማዕዳ ካትሓትት ትኽእል ኢኻ።