ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ኣብ ኖርወይ ብሕጊ ክልኩል እዩምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ሓደሓደ ግዜ ምቑራጽ ኣካላት ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ወይ ምኽንሻብ ጓልኣነስተይቲ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ እዩ።

እዚ ብሕጊ ክልኩል እዩ። 

  • ናይ ኣዋልድ ኣንስቲ ወሲባዊ ኣካላት (genitalia) ምትልታል;
  • ኣካላት ርሕሚ ኣዋልድ ወይ ኣንስቲ ክትልተሉ እንከለዉ ምርኣይ ወይ ኣብኡ ምህላው;
  • ኣዋልድ ወይ ኣንስቲ ኣካላት ብልዕተን ክትልተላ ምግዳድ ወይ ምእማን;
  • ናይ ኣዋልድ ወይ ኣንስቲ ኣካላት ርሕሚ ክትልተሉ ምፍቃድ;
  • ኣዋልድ ወይ ኣንስቲ FGM መታን ክካየደለን ንወጻኢ ምልኣኽ።

እቶም በደልቲ ብማእሰርቲ ክቕጽዑ ይኽእሉ እዮም። ዋላ እተን ኣዋልድ ወይ ኣንስቲ ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ክግበረለን እንተተስማዕማዓ እቶም በደልቲ ካብ መቕጻዕቲ ኣየምልጡን። እተን ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ዝተገብረለን ኣዋልድ ወይ ኣንስቲ ግን ኣይቕጻዓን።

ንምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ተቓሊዕኺ እንተኔርኪ ወይድማ ሰባት ኣገዲዶም ናብኡ ከየእትዉኺ ስግኣት እንድሕር ኣሎኪ፣ ምስ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ተራኸቢ ወይከኣ ብቐጥታ ናብ ፖሊስ ኪዲ። ብተወሳኺ ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ዝተኻየደላ ወይከኣ ክካየደላ ዝሕሰበላ ዘሎ ሰብ እንድሕር ትፈልጢ ኮንኪ ምስ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ክትራኸቢ ወይድማ ንፖሊስ ክትነግሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ናይ ምፍሻል ግቡእ

ኣብዞም ዝስዕቡ እንድሕር ትሰርሒ:

  • ማእከላት መውዓሊ ህጻውንቲ
  • ኣገልግሎት ረድኤት ህጻውንቲ
  • ማሕበራዊ ኣገልግሎት
  • ኣልግሎት ጥዕናን ክንክንን
  • ቤት-ትምህርቲታት
  • ናይ ቅድሚን - ድሕሪን-ትምህርቲ ክንክን ኣገልግሎታት
  • ናይ እምነት ሕብረተሰባት

ናብ ፖሊስ ሪፖርት ብምግባር ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ከይተፈጸመ ከተፍሽሊ ግቡእ ኣለኪ። ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ከተፍሽል ዘይምጽዓር ብማእሰርቲ ቀይ ብገንዘብ የቕጽዕ እዩ።