ወናኒት ኣካላትኪ ንስኺ ጥራይ ኢኺ ስለዚ ንስኺ ጥራይ ኢኺ ኣካላትኪ መን ክትንክፈኪ መን ከይትንክፈኪ ትውስኒ። ስለዚ ኣባላት ስድራቤትኪ ወይድማ መጻምድትኺ ኣካላትኪ ክትንክፉኺን ዘይክትንክፉኺን ትውስኒ ባዕልኺ ጥራይ ኢኺ። ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየትኪ ክትንክፈኪ ወይከኣ ወሲባዊ ተግባራት ክትገብሪ ከገድደኪ ኣይፍቀደሉን። እዚ ብሕጊ "ወሲባዊ ዓመጽ" እዩ ዝበሃል።

ዝኾነ ሰብ ኣብ ልዕሊ መጻምድቱ ኣካላዊ መጥቃዕቲ፣ ስነኣእምሮኣዊ መጥቃዕቲ ወይድማ ወሲባዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ኣይፍቀደሉን። እዚ ማለት፣ ንኣብነት፣ ንመጻምድትኻ ምውቃዕ፣ ምፍርራሕ ወይድማ ምዕማጽ ኣይፍቀድን ማለት እዩ። ብተወሳኺ ንመጻምድትኻ ብዘይድልየታ ገዛ ዓጺኻ ጅሆ ክትሕዝ ኣይፍቀድን።

ሓገዝ ካብ ፖሊስን ካብ ናይ ቅልውላው ማእከላትን

ወሲባዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ሰባት ክቕጽዑ እዮም።

ኣብ ርክብኪ ወይከኣ ሓዳርኪ መጥቃዕቲ ይበጽሓኪ እንተልዩ፣ ብቐጥታ ናብ ፖሊስ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።

ብተወሳኺ ካብ ናይ ቅልውላው ማእከል እውን ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ናይ ቅልውላው ማእከላት ናይ መጥቃዕቲ ወይ መጥቃዕታዊ ምፍርራሓት ግዳያት ዝኾና ኣንስቲ፣ ሰብኡት ከምኡድማ ህጻውንቲ ሓለዋን ሓገዝን ዝረኽቡለን ማእከላት እየን። ኣብ ኖርወይ፣ ኩሎም ምምሕዳር ከተማታት ናይ ቅልውላው ማእከል ክህልወን ዘገድድ ናይ ቅልውላው ማእከል ሕጊ ኣሎ። 

ኣብ ክብሪ-ዝተደረኸ መጥቃዕቲ

ኣብ ክብሪ-ዝተደረኸ መጥቃዕቲ ሰባት ናይ ስድራቤቶም፣ ሃይማኖቶም ወይ ባህሎም ክብሪ ብኣስገዳድ ንምርግጋጽ ዝፍጥምዎ መጥቃዕቲ እዩ። ናይ መጥቃዕቲ ዓይነታት እዞም ዝስዕቡ ኣብነታት የጠቓልሉ:

  • ኣካላዊ መጥቃዕቲ (ንኣብነት፣ ሰባት ምህራም)
  • ወሲባዊ መጥቃዕቲ (ንኣብነት፣ ንጻምድትኻ ብዘይድሌታ ምትንካፍ)
  • ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ (ንኣብነት፣ ንመጻምድትኻ ምፍርራሕ
  • ኣስገዳድ መርዓ 
  • ንሓለዋ ክብሪ ዝገበር ቅትለት

ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ኩነታት ዘለኺ ኮይኑ እንተተሰሚዑኪ፣ ብቐጥታ ናብ ፖሊስ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ። ብተወሳኺ ሓገዝ ክትረኽብሎም እትኽእሊ ካልኦት ቦታታት ኮላይ ኣለዉ