ወሲባዊነት ዝተላበሰ መጥቃዕቲ

ወሲባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጥቃዕቲ ሰባት ንሰባት ንምድሃል ወይ ንምውራድ ወሲባዊ ቃላት ወይ ተግባራት ክጥቀሙ እንከለዉ ማለት እዩ። እዚ ሰብ ንገዛእርእሱ ሓያል ከምዝኾነ መታን ክስመዖ ደረታትኪ ኣየኽብርን። ኣብ ኖርወይ፣ ወሲባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጥቃዕቲ ብሕጊ የቕጽዕ እዩ። 

ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይቲን ወሲባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ። ወሲባዊ ትሕዝቶ ንዘለዎ መጥቃዕቲ ዝቃልዑ ሰባት ልዕሊ ዕድመ ወይከኣ ህጻውንቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። 

ወሲባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጥቃዕቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ እዩ:

  • ዝኾነ ሰብ ወሲባዊ ቃላት ተጠቒሙ ይዛረበኪ ኣሎ ከምኡድማ ብኣኣቶም ኣቢሉ ክድህለኪ ይደሊ ኣሎ።
  • ዝኾነ ሰብ ብዘይ ድሌትኪ ኣብ ኣፍልብኺ ወይ ኣብ መዓኮርኪ ይነኽኣኪ ኣሎ።
  • ዝኾነ ሰብ ብተሌፎን፣ ኣብ ኢንተርኔት ወይ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣቢሉ ብወሲባዊ ትሕዝቶ ይርብሸኪ ኣሎ።
  • ዝኾነ ሰብ ከይሓተትክዮ ወይከኣ ብዘይድሌትኪ ናይ ፖርኖግራፊ ስእሊታት ወይ ፊልም የርእየኪ ኣሎ።
  • ዝኾነ ሰብ ገለ ወሲባዊ ተግባራት ክትገብሪ ኣገዲዱኪ ወይከኣ ወሲባዊ ተግባራት ክትርኢ ደልዩኪ።

ብዙሓት ካልኦት ዓይነታት ወሲባዊ መጥቃዕቲ እውን ኣለዉ። ስምዒታትኪ ምእማንን ኣድላዪ ጠመተ ምሃብን ኣገዳሲ እዩ። ዝኾነ ሰብ ብዘይድልየትኪ ወሲባዊ ምትንኻፍ ክገብረልኪ ወይከኣ ኣንጻርኪ ወሲባዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ኣይፍቀደሉን። ንስኺ ባዕልኺ ኢኺ እንታይ ከምትደልዪን እንታይ ከምዘይትደልዪን ትውስኒ።

ህጻውንቲ እውን ናይ ወሲባዊ መጥቃዕቲ ግዳያት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ወሲባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጥቃዕቲ ዝበጽሖም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ሓገዝ ከይሓቱ ይጽገሙ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ይሓፍሩ ወይከኣ ጌጋ ዝፈጸሙ ኮይኑ ይስመዖም። ሓገዝ ምድላይ ናይ ጥንካረ ምልክት እዩ። ኩሉሰብ፣ ዕድሚኦም ኣንእሽቶይ ድዮም ኣግቶት ብዘየገድስ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም። ብዛዕባ ኣገልግሎት ምኽሪን ሓገዝን ኣብዚ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ሓገዝ ኣበይ ክትረኽቡ ከምትኽእሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ dinutvei.no ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። 

ወሲባዊ በደላት ምንካይ

ወሲባዊ በደላት ንምክልኻል፣ ወሲባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጥቃዕቲ ንዝፈጸሙ ወይድማ ወሲባዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መጥቃዕቲ ከይፍጽሙ ንዝሰግኡ ሰባት ዝወሃብ ሓገዝን ናይ ምኽሪ ኣልግሎትን እውን ኣሎ። ልዑል ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ወሲባዊ ምድርሃው ናይ ምፍጻም ድሌት ዘለዎም ሰባት ጸገም ቅድሚ ምፍጣሩ ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።