ሀርፐስ
ሀርፐስ ልሙድ ብወሲብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ (STI) እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ምልክት ኣይረኣዮምን። ሀርፐስ ኣብ ኣካላት ርሕሚን ዙርያኦምን፣ ኣብ መሃንቱስ ወይ ኣፍ ዘቐንዝዉ ደቀቕቲ ሕበጣት ክፈጥር ይኽእል። እቶም ደቀቕቲ ሕበጣት መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሰሙን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ባዕሎም ይጠፍኡ። ኣብ እዋን ወሲብ ኮንደም ምጥቃም ናይ ረኽሲ ስግኣተ-ሓደጋ ይንኪ። እቲ ረኽሲ ብቫይረስ እዩ ዝመጽእ። እዚ መድሓኒት የብሉን፣ እቲ ቫይረስ ኣብ ሰውነት ይተርፍ፣ ድሕሪ ግዜ ከኣ ሓደሽቲ ደቀቕቲ ሕበጣት ክፈጥር ይኽእል። ኣፋውስ ቃንዛ ከይለዓል ክከላኸሉ እንተተኸሲቱ ኸኣ ጻንሒቱ ከሕጽሩዎ ወይ ከህድኡዎ ይኽእሉ።