መዳሕንቲ

እታ ሰበይቲ ክትጠንስ እንከላ ምስቲ ዕሸል ዝዓቢ ኣካል። መኣዛታት በቲ መዳሕንቲ ጌሮም ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ይግዕዙ፣ ናይቲ ዕሸል ተረፍምህርቲ ድማ ናብታ ኣደ ይምለስ። እቲ መዳሕንቲን ዕሸልን በቲ ዕትብቲ ኣቢሎም ንሓድሕዶም ይላገቡ። እቲ መዳሕንቲ ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘለዋ ካብ 10 ክሳዕ 30 ደቓይቕ ካብ ሰውነት ኣደ ይወጽእ።

Placenta

Organ which grows alongside the foetus in the uterus when a woman is pregnant. Nutrients are transported from the mother to the foetus through the placenta, and the foetus's waste products are returned to the mother. The placenta and the foetus are connected to each other via the umbilical cord. The placenta leaves the mother's body 10 to 30 minutes after delivery.