ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ
ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ሓላሓሊፉ ምኽንሻብ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ። እቲ ጭንቅራ ይውገድ፣ሓደሓደ ግዜ ከኣ ናይ ውሽጢ ከናፍር ርሕሚ ክፋል እውን ይውገድ ሓደሓደ ግዜ ድማ እቶም ከናፍር ርሕሚ ተጣቢቖም ይስፈዩ። ብድሕሪኡ፣ እተን ኣዋልድን ኣንስቲን ኣብ ርሕመን ሽንቲ መውጽኢ ዝኸውን ንእሽተይ ነዃል ጥራይ ይህልወን። መብዛሕትኡ ግዜ እተን ኣንስቲን ኣዋልድን ድሕሪ ምኽንሻብ የቃጽለን ከምኡድማ ይደምያ። ብዙሓት ዝተኸንሸባ ኣንስቲ ወሲባዊ ፍስሃአን ዝነከየ ይኸውን ከምኡድማ ኣብ እዋን ወሲብ ቃንዛ ይስመዐን። ብተወሳኺ እቲ ምኽንሻብ ናይ ጥዕና ጸገማት እውን የስዕብ እዩ። ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ኣብ ኤውሮጳ ብሕጊ ክልኩል እዩ።