ኣብ ህጻንታትን ህጻውንቲን ዝግበር ናይ ኣጋዊ ፍተሻ መርመራ
ድሕሪ ሕርሲ ከምኡድማ ካብ ሆስፒታል ምስ ወጻእኺ፣ ቆልዓኺ ብማእከል ጥዕና ምምሕዳር ከተማኺ ክትትል ይግበረሉ እዩ። ካብቲ ሆስፒታል ንገዛኺ ምስተመልስኪ ነቲ ማእከላ ጥዕና ከተዘራርብዮ ኣለኪ። ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ናብ ገዛኺ መጺኣ ንስኺን ቆልዓኺን ናብቲ ማእከል ጥዕና መጺኹም ክትምርመሩ ክትዕድመኪ እያ። ኣብኡ፣ ናይ ጥዕና መርመራታት በቲ ናይ ጥዕና ሕብረተሰብ ነርስ ወይ በቲ ዶክተር እዮም ዝካየዱ። ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሕማማት ብኣጋ ንምክልኻል፣ ንምፍታሽን ንምሕካምን እቲ ቆልዓ ብጥንቃቐ ክምርመር እዩ። ብተወሳኺ ናይ ቆልዓኺ ጥዕና ምሕላው ዝምልከት ሓበሬታ ሓበሬታዊ መምርሒን ክትቅበሊ ኢኺ። ኩሎም ኣብቲ ማእከል ጥዕና ዝግበሩ ምብጻሓትን መርመራታትን ካብ ክፍሊት ናጻ እዮም። ቆልዓኺ ቀደማይ ደረጃ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ 13 ግዜ ክምርመር እዩ። ቆልዓኺ ኣብ መንጎ ምብጻሓት እንድሕር ሓሚሙ፣ ንሓፈሻዊ ሓኪምኪ ኣዘራርቢ። ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ክትረኽብዮ እንተዘይክኢልኪ ኣብ ቀረባኺ ምስ ዝርከብ ካብ ስሩዕ ሰዓት ወጻኢ ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል ሕክምና ተራኸቢ።