ካብ ናይ ስራሕ ሰዓት ወጻኢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ማእከላት
እቶም ናይ ሓፈሻዊ ሓኻይም ቤት-ጽሕፈታት ክዕጸዉ እንከሉ ካብ ናይ ስራሕ ሰዓት ወጻኢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ማእከላት። ንኣብነት: ማህሰይቲ ከጋጥም እነከሎ፣ ሰባት ሃንደበት እንተሓሚሞም ወይከኣ ግዳያት መጥቃዕቲ ወይ ምዝመዛ እንተኾይኑ። እተን ካብ ናይ ስራሕ ሰዓት ወጻኢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ማእከላት ንተጓዓዝቲ ወይድማ ኣብ ዕረፍታዊ ምዝናይ ንዝርከቡ ሰባት እውን ኣገልግሎት ይህባ እየን፣ ስለዚ እዚኦም ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ምኻድ ኣየድልዩን።