ወሲባዊ ዓመጽ
ወሲባዊ ዓመጽ ምስ ቆልዑትን ሓለዋ ዝግበረሎም ዓበይቲን ናይ ሰውነት ምትንኻፍ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ወሲባዊ ተግባራት ምግባር የጠቓልል። ናይ ሰውነት ምትንኻፍ ዘለዎ ማለት፣ ንኣብነት ነታ ቆልዓ ምትንካፍ ወይ ምስዓም እዩ። ብዘይ ናይ ሰውነት ምትንኻፍ፣ ንኣብነት፣ እቲ በዳሊ ኣብ ቅድሚ ቆልዓ ኮይኑ ናይ ገዛእርእሱ መትሎ ክትንክፍ ወይ ክደራርዝ ይኽእል። እቶም በደልቲ ንኻልኦት በዲሎም ናይ በዓልቶም ድሌት ንምርዋይ ሓይሊ ወይ ስልጣን ይጥቀሙ። ወሲባዊ ዓመጽ ናይ መጥቃዕቲ ዓይነት ስለዝኾነ ኣብ ኖርወይ ከም ገበን እዩ ዝቑጸር።