ጅግል

ጅግል ኣብ መትረብ ሽንቲ (ኣብ ሰብኣይ)፣ ኣብ ርሕሚ (ኣብ ሰበይቲ)፣ ኣብ ጎሮሮ ወይድማ ኣብ መሃንቱስ (ኣብ ኩሎም ጾታታት) ዝፍጠር ብወሲብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ (STI) እዩ። ኣብ ኩሉ ሰብ ምልክታት ዘይክረኣዩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኣዝዩ ልሙድ ምልክት ብጫ-ቀጠልያ ፈሳሲ ካብ መትሎ ወይ ርሕሚ፣ ኣብ እዋን ምሻንን ምሕኻኽን ከቢድ ቃንዛ፣ ናይ ምቅጻል ስምዒት ከምኡድማ ፈሳሲ ካብ መሃንቱስ እዩ። ወሲብ ክትገብር እንከለኻ ኮንደም ምጥቃም ረኽሲ ይከላኽል። ጅግል ብባክተርያ ዝመጽእ ክኸውን እንከሎ ብጸረ ጓና ነገር ክፍወስ ይኽእል እዩ።

Gonorrhoea

Gonorrhea is a sexually transmitted infection (STI) of the urethra (in men), in the vagina (in women), in the throat or anus (in all sexes). Not everyone have symptoms. The most common symptom is yellow-green discharge from the penis or vagina, severe pain when urinating and itching, a burning sensation and discharge from the anus. Using a condom when having sex protects against the infection. Gonorrhea is caused by bacteria and can be cured with antibiotics.