ምጣነ ስድራን ጥንሲን: ወሊድ

ኣብ እዋን ሕርሲ እቲ ቆልዓ ብናይታ ኣደ ርሕሚ ጌሩ ናብዛ ዓለም ይጽምበር። እቲ ናይ መጀመሪያ ቆልዓ ንኽውለድ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 12 ክሳዕ 18 ሰዓት ይወስደሉ። እቲ ካልኣይ ሕርሲ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ዝሓጸረ ግዜ እዩ ዝወስድ።

እቲ ቆልዓ ቅድሚ ምውላዱ፣ እታ ኣደ ምጭብባጥ ከጋጥማ እዩ: ጭዋዳታት ማህጸን ይጨባበጡን ይወጣጠሩን። እዚ ነቲ ቆልዓ ንቑልቁል ይደፍኦ። ምጭብባጣት ዳርጋ ኩሉግዜ መቐንዘውቲ እዮም።

ምጭብባጣት (ሕማም ሕርሲ)

እቶም ምጭብባጣት ቀስብቐስ ነቲ ክሳድ ማህጸን ከምኡድማ ነቲ ትቦ ክሳድ ማህጸን (ኣፍ ማህጸን) ይኸፍትዎ። ክሳድ ማህጸን ናይታ ኣደ ብገፊሑ ክኽፈት እንከሎ፣ እቲ ቆልዓ ናብዛ ዓለም ክመጽእ ይኽእል።

ኣብ እዋን ሕማም ሕርሲ ቃንዛ ንምህዳእ እንጥቀመሎም ብዙሓት መንገዲታት ኣለዉ:

  • ብእግርኻ ዘወርወር ምባል
  • ኣብቲ ንሕርሲ ምድላው ዝምልከት ኮርስ ወይከኣ ኣብ ካልእ ቦታ ዝተምሃርክዮም ናይ ምትንፋስ ሜላታት
  • እተፈላለዩ ኣቀማምጣታት ምፍታን
  • መዛነዪ ክኾነኪ ኣካላትኪ ምሕጻብ
  • ናይ ምቖት ከረጢት ወይከኣ ናይ ሕርሲ ኩዕሶ ዝኣመሰሉ መሳርሒታት ምጥቃም
  • ኣብ ሆስፒታል እንድሕር ትሓርሲ ኣለኺ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖኺ መደንዘዚ ክትውግኢ ምሕታት። እዚ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖኺ እትውግእዮ መህድኢ ቃንዛ እዩ። እቲ መርፍእ ኮፍ ኢልኪ ወይከኣ ተገዲምኪ ክትውግእዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ምጭብባጥ ዝሓዛ ሰበይቲ
ጠጠው ዝበለት ጥንስቲ ጓልኣነስተይቲ። እቲ ትኹረት ኣብቶም ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላትን እቲ ቆልዓ ዝሓዘ ማህጸንን እዩ።
እቲ ናብ ማህጸን መእተዊ ክሳድ ማህጸን ኣብ እዋን ምጭብባጣት እናተኸፍተ ይመጽእ።
እቲ ክሳድ ማህጸን ይገፍሕ።
እቲ ክሳድ ማህጸን ነቲ ዝውለድ ቆልዓ ከውጽእ ገፊሑ ኣሎ።
እቲ ዶክተር ኣብ ሽጢ (ከባቢያዊ) መደንዘዚ እናሃበ: ኣብ እዋን ምጭብባጥ ቃንዛ ንምንካይ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሑቖ ብመርፍእ ዝወሃብ።

ናይ ኣወላልዳ ኣንፈታት

በየን ኣንፈት ክትወልዲ ከምዘለኪ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ፣ ንኣብነት

  • ብጎንኺ ወይ ብዝባንኪ ትግደሚ፣
  • ተጎምቢሕኺ፣
  • ተምበርኪኽኪ፣
  • ተደጊፍኪ ጠጠው ብምባል።

ኣብ እዋን ሕርሲ ኣቀማምጣኺ ከም ዝደለኽዮ እናሻዑ ክትቀያይሪ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ዶክተር ወይ እታ መሕረሲት ኣቀማምጣኺ ከመይ ክኸውን ከምትደልዪ ክሓቱኺ እዮም። ዶክተራት መሕረስቲን ኩሉግዜ ኣብ ኩሉ ዓይነት ኣቀማምጣታትኪ ኣብ ጎንኺ ኣለዉ።

ቆልዓ እትወልድ ሰበይቲ።
ቆልዓ እትወልድ ሰበይቲ።
ቆልዓ እትወልድ ሰበይቲ።

ሕርሲ ኣብ ሆስፒታል

ኣብ ሆስፒታል እንድሕር ትሓርሲ ኣለኺ፣ መሕረሲት ክትቅበለኪ እያ።

እታ መሕረሲት

  • መቆጻጸሪ ተጠቒማ ምጭብባጥኪን ናይቲ ዕሸል ህርመት ልቢን ክትፍትሽ፣
  • ብርሕሚ ኣቢላ ምርመራ ክትገብር፣
  • ከምኡድማ ኣብ እዋን ሕማም ሕርሲ እተቕርብዮም ኩሎም ሕቶታት ክትምልሰልኪ እያ።

እቲ ዶክተር ሕርሲ ይቐርብ ከምዘሎ ክንገሮ እዩ።

ክትሓርሲ እንከለኺ መጻምድትኺ ወይከኣ ካልእ ዝመረጽክዮ ሰብ ምሳኺ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።

ሓደሓደ ግዜ እቲ ዶክተር ወይ መሕረሲት ኣብ መንጎ ርሕሚን መሃንቱስን ንእሽቶይ ምጥባሕ (ፈንዶት) ከድልዮም ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ እዚ ኣካሊት ባዕሉ ይብሳዕ እዩ።

እቲ ቆልዓ ብርሕሚ ገይሩ ይወጽእ። እቲ ዕትብቲ ይቑረጽ።

ድሕሪ ሕርሲ ካብ 10 ክሳዕ 30 ደቓይቕ ኣብ ዘሎ ግዜ መዳሕንቲ ካብ ሰውነት ይወጽእ።

እቲ ኣቦ ናይቲ ቆልዓ ዕትብቲ እናቖረጸ
መዳሕንቲ ካብ ሰውነት ኣደ እናወጸ፣ ድሕሪ ሕርሲ ካብ 10 ክሳዕ 30 ደቒቓ ኣብ ዘሎ ግዜ።

ሕርሲ ኣብ ገዛ

ኣብ ገዛኺ ክትሓርሲ እንተደሊኺ፣ ብዛዕባኡ ምስ ዶክተርኪን መሕረሲትኪን ተዘራረቢ። ስግኣተ-ሓደጋ ዘይብሉ ጥዑይ ጥንሲ እንድሕር ኣሕሊፍኪ፣ ኣብ ገዛኺ ክትሓርሲ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ገዛኺ ክትሓርሲ እንከለኺ ናይ ግድን መሕረሲት ክትትል ክትገብረልኪ ኣለዋ። ብዝተኻእለ መጠን ገና ጥንሲ ክጅምረኪ እንከሎ መሕረሲት ክትሕዚ ኣለኪ። ሽዕኡ ሓቢርክን ንሕርሲ ክትዳለዋ ትኽእላ ኢኺን።