ምጣነ ስድራን ጥንሲን: ወሊድ
ምጭብባጣት (ሕማም ሕርሲ)
እቶም ምጭብባጣት ቀስብቐስ ነቲ ክሳድ ማህጸን ከምኡድማ ነቲ ትቦ ክሳድ ማህጸን (ኣፍ ማህጸን) ይኸፍትዎ። ክሳድ ማህጸን ናይታ ኣደ ብገፊሑ ክኽፈት እንከሎ፣ እቲ ቆልዓ ናብዛ ዓለም ክመጽእ ይኽእል።
ኣብ እዋን ሕማም ሕርሲ ቃንዛ ንምህዳእ እንጥቀመሎም ብዙሓት መንገዲታት ኣለዉ:
- ብእግርኻ ዘወርወር ምባል
- ኣብቲ ንሕርሲ ምድላው ዝምልከት ኮርስ ወይከኣ ኣብ ካልእ ቦታ ዝተምሃርክዮም ናይ ምትንፋስ ሜላታት
- እተፈላለዩ ኣቀማምጣታት ምፍታን
- መዛነዪ ክኾነኪ ኣካላትኪ ምሕጻብ
- ናይ ምቖት ከረጢት ወይከኣ ናይ ሕርሲ ኩዕሶ ዝኣመሰሉ መሳርሒታት ምጥቃም
- ኣብ ሆስፒታል እንድሕር ትሓርሲ ኣለኺ ድማ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖኺ መደንዘዚ ክትውግኢ ምሕታት። እዚ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ሕቖኺ እትውግእዮ መህድኢ ቃንዛ እዩ። እቲ መርፍእ ኮፍ ኢልኪ ወይከኣ ተገዲምኪ ክትውግእዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ናይ ኣወላልዳ ኣንፈታት
በየን ኣንፈት ክትወልዲ ከምዘለኪ ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ፣ ንኣብነት
- ብጎንኺ ወይ ብዝባንኪ ትግደሚ፣
- ተጎምቢሕኺ፣
- ተምበርኪኽኪ፣
- ተደጊፍኪ ጠጠው ብምባል።
ኣብ እዋን ሕርሲ ኣቀማምጣኺ ከም ዝደለኽዮ እናሻዑ ክትቀያይሪ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ዶክተር ወይ እታ መሕረሲት ኣቀማምጣኺ ከመይ ክኸውን ከምትደልዪ ክሓቱኺ እዮም። ዶክተራት መሕረስቲን ኩሉግዜ ኣብ ኩሉ ዓይነት ኣቀማምጣታትኪ ኣብ ጎንኺ ኣለዉ።
ሕርሲ ኣብ ሆስፒታል
ኣብ ሆስፒታል እንድሕር ትሓርሲ ኣለኺ፣ መሕረሲት ክትቅበለኪ እያ።
እታ መሕረሲት
- መቆጻጸሪ ተጠቒማ ምጭብባጥኪን ናይቲ ዕሸል ህርመት ልቢን ክትፍትሽ፣
- ብርሕሚ ኣቢላ ምርመራ ክትገብር፣
- ከምኡድማ ኣብ እዋን ሕማም ሕርሲ እተቕርብዮም ኩሎም ሕቶታት ክትምልሰልኪ እያ።
እቲ ዶክተር ሕርሲ ይቐርብ ከምዘሎ ክንገሮ እዩ።
ክትሓርሲ እንከለኺ መጻምድትኺ ወይከኣ ካልእ ዝመረጽክዮ ሰብ ምሳኺ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።
ሓደሓደ ግዜ እቲ ዶክተር ወይ መሕረሲት ኣብ መንጎ ርሕሚን መሃንቱስን ንእሽቶይ ምጥባሕ (ፈንዶት) ከድልዮም ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ እዚ ኣካሊት ባዕሉ ይብሳዕ እዩ።
እቲ ቆልዓ ብርሕሚ ገይሩ ይወጽእ። እቲ ዕትብቲ ይቑረጽ።
ድሕሪ ሕርሲ ካብ 10 ክሳዕ 30 ደቓይቕ ኣብ ዘሎ ግዜ መዳሕንቲ ካብ ሰውነት ይወጽእ።