እቲ መጥባሕታዊ ሕርሲ ከብዲ ቀዲድካ ዝግበር ሕርሲ ናይ c-ክፍሊ ሕርሲ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ። ኣብ እዋን መጥባሕታዊ ሕርሲ፣ እቲ ዶክተር ናይታ ኣደ ከብዲ ቀዲዱ መውጽኢ ቆልዓ ይፈጥር።

ብኸብዲ ቀደዲድካ ንምውላድ ዘኽእሉ ምኽንያታት

ሓደሓደ ግዜ እቲ መጥባሕታዊ ሕርሲ መደብ ተታሒዙሉ እዩ ዝጸንሕ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፣ ብመጥባሕቲ ከምትሓርሲ ኣቐዲምኪ ትፈልጢ ኢኺ ማለት እዩ። ንኣብነት፣ እቲ ቆልዓ ርእሱ ንቑልቁል ዘይገበረ እንተኾይኑ ወይከኣ ኣዝዩ ገጂፍ ብምዃኑ ብክሳድ ማህጸን ክወጽእ ዘጸግም እንተኾይኑ።

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ሕርሲ ንዓኺን ንቆልዓኺን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ጸገማት ክፍጠሩ ይኽእሉ እዮም። ሽዕኡ መጥባሕታዊ ሕርሲ ኣገዳሲ ይኸውን።

ሳሕቲ ብቕጽበት መጥባሕታዊ ሕርሲ ዘድልየሉ ህጹጽ ምላሽ ዝጠልብ ጸገም የጋጥም እዩ። ንኣብነት፣ ናትኪ ወይ ናይ ቆልዓኺ ህይወት ኣብ ከቢድ ሓደጋ እንተወዲቑ።

ከብዲ ቀደዲድካ ዝግበር ሕርሲ: እቲ መጥባሕቲ

ከብዲ ቀዲድካ ዝግበር ሕርሲኺ መደብ ዝተታሕዘሉ እንተኾይኑ፣ ንጉሆ ኢኺ ናብ ሆስፒታል ትኸዲ። እንተወሓደ ነቲ መጥባሕቲ ሽድሽተ ሰዓት ክተርፎ እንከሎ ኣትሒዝኪ ዝኾነ ነገር ክትበልዒ ኣይፍቀደልኪን። ነቲ መጥባሕቲ ድልውቲ ክትኮኒ ኢኺ። ንኣብነት፣ ናይ ሆስፒታል ግርምቢያለ ትገብሪ፣ መጋየጺታትኪን ሜክኣፕኪን ተወግዲ።

እቲ ናይ መደንዘዚ በዓልሞያ ናይ ዓንዲ ሑቐ ወይከኣ ናይ ሽምጢ መደንዘዚ ክገብረልኪ እዩ። ክልቲኦም ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ዝባንኪ ብመርፍእ ትውግእዮም። እቲ መርፍእ ኮፍ ኢልኪ ወይከኣ ተገዲምኪ ክትውግእዮ ትኽእሊ ኢኺ። ሓደሓደ ግዜ ንእሽቶይ ትቦ ናብቲ ስሪንጋ ይስኳዕ። ሽዕኡ እቲ መደንዘዚ ደጊምኪ ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። ንቕሕቲ ኢኺ ትኾኒ ኣይትድቅሲን።

ኣብ እዋን እቲ ከብዲ ቀዲድካ ዝግበር ሕርሲ፣ መጻምድትኺ ወይከኣ ካልእ ዝመረጽክዮ ሰብ ምሳኺ ክጸንሕ ይኽእል እዩ። እቲ ዶክተር ካብ ሕፍረታዊ ጸጉርኺ ልዕል ኢሉ ኣብ ከብድኺ ይጠብሐኪ። ፈጺሙነ ቃንዛ ኣይስመዓኪን፣ መጥባሕቲ ይግበረልኪ ከምዘሎ ግን ክስመዓኪ እዩ።

እቲ ዶክተር ነቲ ቆልዓ የውጽኦ። እቲ ዕትብቲ ይቑረጽ። እታ መሕረሲት ነቲ ቆልዓ ወሲዳ ክትምርምሮ እያ። ንቕሕቲ እንተኔርኪሞ እቲ መጥባሕታዊ ስርሒት ገለ ጸገማት ዘይፈጠረ እንተኔሩ፣ እቲ ቆልዓ ብሽጎማኖ ተጠቕሊሉ ናብ ምርመራ ከይተወስደ ክትስዕምዮ ኢኺ። ሽዕኡ እቲ ዝተቐደ ከብድኽ መሊሱ ክስፈ እዩ። እቲ መጥባሕታዊ ስርሒት ተጀሚሩ ክሳዕ ዝውዳእ ክሳዕ ሓደ ሰዓት ይወስድ።

ሃንደበታዊ መጥባሕታዊ ሕርሲ እንድሕር ጌርኪ:

  • ኣብ ክንዲ (ከባቢያዊ) ኢፒዱራል መደንዘዚ (PDA)፣ ሓፈሻዊ መደንዘዚ ክግበረልኪ እዩ። ሽዕኡ እቲ መጥባሕታዊ ስርሒት ክካየድ እንከሎ ግን ኣይክትነቕሒን ኢኺ። 
  • መጻምድትኺ ወይ ዝኾነ ካልእ ሰብ ኣብኡ ክኸውን ኣይክእልን።

እቲ ቆልዓ ምስተወልደ እቲ መጻምድትኺ ንስኺ ክሳዕ ትነቕሒ ምስቲ ቆልዓ ክኸውን ይኽእል እዩ።