ርሕማዊ ሕርሲ

ኣብ ርሕማዊ ሕርሲ እቲ ቆልዓ ብናይታ ኣደ ርሕሚ ጌሩ ናብዛ ዓለም ይጽምበር። መብዛሕትኦም ቆልዑት በዚ መንገዲ እዮም ዝውለዱ።

ከብዲ ቀዲድካ ዝግበር ሕርሲ (መጥባሕታዊ ሕርሲ)

እቲ መጥባሕታዊ ሕርሲ ከብዲ ቀዲድካ ዝግበር ሕርሲ ናይ c-ክፍሊ ሕርሲ ተባሂሉ እውን ይፍለጥ። እዚ ክግበር እንከሎ እታ ሰበይ መደንዘዚ ስለዝግበረላ ቃንዛ ኣይስመዓን። እቲ ዶክተር ካብቲ ናይታ ሰበይቲ ሕፍረታዊ ጸጉሪ ቁሩብ ልዕል ኢሉ ይቐድድ። ሽዕኡ እቲ ቆልዓ በቲ ዝተቐደደ ቆርበት ጎቲትካ ይወጽእ።

ብኸብዲ ቀደዲድካ ንምውላድ ዘኽእሉ ምኽንያታት

እቶም ቀንዲ ቀብዲ ቀደዲድካ ንምውላድ ዘብቑ ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ እዮም:

  • ናይቲ ቆልዓ ርእሲ ግዝፈት ብክሳድ ማህጸን ክወጽእ ዘይኽእል ኣዝዩ ዓብዪ እንተኾይኑ።
  • እቲ መዳሕንቲኣብ ቅድሚ ኣፍ ማህጸን እንተልዩ (ክሳድ ማህጸን) ወይከኣ እቲ መዳሕንቲ ኣዝዩ ቀልጢፉ እንድሕር ተበቲኹ።
  • ገለ ክፋል ናይ ዕትብቲ ካብቲ ኣፍ ማህጸን ሸተት ኢሉ ብምውጻእ ኣብ ርሕሚ እንተበጺሑ። እዚ እትቆልዓ ከምዝዕፈን ክገብር ይኽእል እዩ።
  • እቲ ቆልዓ ርእሱ ንቑልቁል ዘይገበረ እንተኾይኑ።
  • ካብ ሓደ ዝበዝሑ ዕሸላት እንተልዮም።
  • እታ ኣደ ኤችኣይቪ ዘለዋ እንተኾይና
  • እታ ኣደ ወይ እቲ ቆልዓ ምስ ተፈጥሮኣዊ ሕርሲ ዝጻባእ ካልእ ሕማም እንተልዩዎም።