መምከኒ ነባራይ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ

መምከኒ ጽግየት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዘጥፍእ መጥባሕቲ እዩ። እቶም ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ንሓዋሩ ፈጺሞም ናብ ዋሃዮ እንቋቑሖ ክበጽሑ ኣይኽእሉን።

እዚ ብሓፈሻ ጥዕናኺ ዝጎድእ ኣይኮነን።

ሰብኡትን ኣንስቲን ኩሎም ብሕክምና ክመኽኑ ይኽእሉ እዮም።

መምከኒ ንሰብኣይ

ድሕሪ ምምካን እውን እቲ ሰብኣይ ዕልቋቕ የፍስስ እዩ። ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ዘይብሉ ዕልቋቕ የመንጩ። ብስሩዕ ኣገባብ ስጋዊ ርክብ ክገብር ይኽእል እዩ።

እቲ ዶክተር ነቶም መንገድታት ፍረዘርኢ ይዓጽዎም።

ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ከም ንቡር በቶም መንገድታት ፍረዘርኢ ጌሮም ናብቶም ዕልቋቕ ዝምንጭወሎም ፕሮስቴትን ከረጢታት ዕልቋቕን ኣይግዕዙን። 

ድሕሪ 3 ወርሒ፣ እቲ ዕልቋቕ ዋላሓንቱ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ኣይህልውዎን። ሽዕኡ ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ኣየድልየኩምን። 

ጠጠው ዝበለ ሰብኣይ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት እዩ ዘሎ።
መምከኒ ንሰብኣይ: እቶም መንገድታት ፍረዘርኢ ይዕጸዉ።

መምከኒ ንሰበይቲ

መምከኒ ኣብ ዑደትዘኣጎለ እንቋቑሖ ወይድማ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ዘስዕቦ ጽልዋ የለን

እቲ ዶክተር ነቶም ሻምብቆታት ማህጸን ይዓጽዎም። 

እቶም ዋሃዮታት ንሓዋሩ ፈጺሞም ናብ ዋሃዮ እንቋቑሖ ክበጽሑ ኣይኽእሉን።

ጠጠው ዝበለት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት እዩ ዘሎ።
መምከኒ ንሰበይቲ: እቶም ሻምበቆታት ማህጸን ይዕጸዉ።

መምከኒ: እቲ መጥባሕቲ

እቲ መጥባሕቲ ኣብ ሰብኣይ ኩሉግዜ ከባቢያዊ መደንዘዚ ኣብ ሰበይቲ ድማ ሓፈሻዊ መደንዘዚ ተጠቒምካ እዩ ዝካየድ። እቲ መጥባሕቲ ካብ ኣብ ሰበይቲ ዝህልዎ ስግኣተ-ሓደጋ ኣብ ሰብኣይ ዝህልዎ ስግኣተ-ሓደጋ ይንኪ። ሙሉእ ኣካላትኪ ዘደምዝዝ መደንዘዚ እንተዘይተጌሩልኪ፣ ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ፣ ሽዕኡ ናብ ገዛኺ ክትከዲ ትኽእሊ ኢኺ።

መምከኒ ኩሉግዜ ናይ ስጋዊ ርክብ ቃሕታኺ ወይ ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወትኪ ጽልዋ ኣየሕድረልኪን። ሰብኣይን ሰበይቲን ጌና ኣብ ጥርዘውነ ክበጽሑ ይኽእሉ

መምከኒ ነባራይ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። መምከኒ ምስገበርካ ናብ ቀደምካ ክትምለስ ከቢድ እዩ፣ ዘይክዕወት እውን ይኽእል እዩ።

መምከኒ ኣዝዩ ዘተኣማምን እዩ።

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን

እቲ መምከኒ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓለለፉ ሕማማት ወይከኣ ኤችኣይቪ ኣይከላኸልን። ኮንደም ጥራይ እዩ ክከላኸለልኪ ዝኽእል።