ምጣነ ስድራ

መከላኸሊ ጥንሲ ኣንስቲ ካብ ጥንሲ ይከላኸለለን። 

ንስኺን መጻምድትኺን ቆልዑት ምውላድ የድልየኩምዶ ኣየድልየኩምን፣ መዓስን ክንደይን ክትወልዱ ከምትደልዩ ክትውስኑ ትኽእሉ። እዚ ምጣነ ስድራ ይበሃል። ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ እንድሕር ትደልዪ፣ ግን ከኣ ቆልጩት ክትወልዲ መደብ እንድሕር ዘይሒዝኪ (ክሳዕ ሕጂ)፣ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቒምኪ ጥንሲ ክትከላኸሊ ትኽእሊ ኢኺ። 

እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ምውሳድ ነታ ሰበይቲ መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ድሕሪ ምቁራጻ ጽግየታ ክንኪ ኣይገብርን። መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም እንድሕር ኣቋሪጻ፣ ክትወልድ ትኽእል እያ። 

ኤችኣይቪን ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ምክልኻል

ኮንደም ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክኸውን እንከሎ ኤችኣይቪን ካልኦት ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት እውን ይከላኸለልኪ።

እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ

እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ኣለዉ። ንዓኺን ንመጻምድትኺን ዝበለጽ እትብልዮ ሜላ ክትመርጺ ትኽእሊ።
እቶም ሜላታት ብዙሕ ኣፈላላያት ኣለዎም፣ ንኣብነት:

  • ዋጋኦም;
  • ተረካብነቶም;
  • ኣጠቓቕማኦም።

መብዛሕትኡ ግዜ፣ መከላኸሊ ጥንሲ ንጥዕናኺ ሕማቕ ኣይኮነን። ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ምስ ናይ ገለ ሰባት መነባብሮ፣ ዕድመን ኣካላዊ ኩነታትን ካብ ካልኦት ሜላታት ዝበለጸ ይስማዕምዑ። 

መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ ክትጥቀምሉ እንከለኺ እዩ ጽቡቕ ዝሰርሕ። በዚ ምኽንያት፣ ምሳኺ ዝኸይድ ሜላ ምምራጽ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ሜላ ንዓኺ እንድሕር ዘይሰሪሑልኪ፣ ካልእ ክትፍትኒ ትኽእሊ ኢኺ። 

ካብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ምኽሪ ሕተቲ። እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ንዓኺ ዝምልከት ሓበሬታ ፈጺሙ ንኻልእ ኣሕሊፉ ኣይህብን። ንሱ/ንሳ ስትረትኪ/ካ ክሕሉ/ክትሕሉ ብሕጊ ይግደድ/ትግደድ እዩ/ያብተወሳኺ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኺ እውን ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ