እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ

እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ  ኩሉ ግዜ 21 ወይ 28 ከኒታት ብዝሓዙ ፓኮታት እዩ ዝሽየጥ። ብዙሓት እተፈላለዩ ብራንድታትን ዓይነታት ፓኮታትን ኣለዉ። 

ስሩዓት ከኒታት መከላኸሊ ጥንሲ ክልተ ሆርሞናት ዝሓዙ እዮም። ብተወሳኺ፣ ፕሮጀስትሮን ጥራይ ዝሓዙ ዝበሃሉ ሓደ ሆርሞን ጥራይ ዝሓዙ ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ እውን ኣለዉ። እዞም ሆርሞናት ዘኣጎለ እንቋቑሖ ይከላኸሉ፣ ከምኡድማ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ማህጸን ከይኣትዉ ይዓግቱ። 

ኣወሳስዳ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ

ስሩዓት ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ (ክልተ ሆርሞናት ዝሓዙ ከኒናታት)

እቲ 21 ከኒናታት ዝሓዘ ፓኮ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኣለዎ:

  • ኩሉ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 1 ከኒና ውሰዲ። ናይቲ ሰሙን መዓልቲታት ኩሉግዜ ኣብ ዝባን እቲ ፓኮ ምልክት ተጌሩሎም ኣሎ። ከኒና ምውሳድ ክትርስዒ የብልኪን።
  • ድሕሪ 21 መዓልቲ (3 ሰሙን) እቲ ፓኮ ይውዳእ።
  • ኣብተን ዝቕጽላ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን)፣ ዋላሓደ ከኒና ኣይትወስዲን። ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ርሕሚኺ ክትደምዪ ክትጅምሪ ኢኺ (ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት)። ብተወሳኺ ኣብዚ ሰሙን መከላኸሊ እናወድኪ ኢኺ።
  • ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ዋላ መድመይቲ እንተዘይአቋረጽኪ ሓድሽ ፓኮ ከኒናታት ክትጅምሪ ኢኺ።
  • እቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ቅደምሰዓባት ተኸተሊ። 

ኣብቲ 28 ከኒናታት ዝሕዝ ፓኮ እተን ናይ መወዳእታ 4 ወይ 7 ከኒናታት ፍሉይ ሕብሪ ኣለዎም። ንሳቶም ሆርሞን ዘለዎም ኣይኮኑን፣ የግዳስ መዓልቲዊ ከኒን ክትወስዲ ከምዘለኪ ከይትርስዒ ከም መዘኻኸሪ ክኾኑ ዝተሓወሱ እዮም። 

ፕሮጀስትሮን ጥራይ ዝሓዙ ከኒናታት

ፕሮጀስትሮን ጥራይ ዝሓዙ ከኒናታት 28 ብዝሓዙ ፓኮታት ጥራይ እዮም ዝዳለዉ። ኩሎም እቶም ከኒናታት ፕሮጀስትሮን ዝሓዙ እዮም። ኩሉ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ሓደ ከኒና ክትወስዲ ኣለኪ።

ኩሉ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ካብቲ ፓኮ 1 ሓንቲ ከኒና ውሰዲ።
ስሩዕ መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት: ድሕሪ 21 መዓልቲ (3 ሰሙን) እቲ ፓኮ ይውዳእ። ኣብተን ዝቕጽላ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን)፣ ዋላሓደ ከኒና ኣይትወስዲን። ኣብዚ ሰሙን ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ክጅምር እዩ። ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ዋላ መድመይቲ እንተዘይአቋረጽኪ ሓድሽ ፓኮ ከኒናታት ክትጅምሪ ኢኺ።
ፕሮጀስትሮን ጥራይ ዝሓዙ ከኒናታት: ኩሉ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ብዘይ ምቁርራጽ ሓደ ከኒና ውሰዲ።

ዘተኣማምን

እቶም ከኒናታት መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምክሉ ኣዝዩ ዘተኣማምን።
እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ዘየተኣማምን ክኸውን ዝኽእሉ:

  • ኩሉግዜ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት እንድሕር ዘይትወስድዮ (ብፍላይ እቲ ከኒና ካብቲ ኩሉግዜ እትወስድሉ ሰዓት 12 ሰዓት ዝኣክል ደንጒኺ እንድሕር ወሲድክዮ);
  • እቲ ኪኒን ምስ ወሰድኪ ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት እንድሕር ኣምሊስኪ;
  • እቲ ከኒና ምስወሰድኪዮ ድሕሪ ሒደስ ሰዓታት ከቢድ ውጽኣት እንድሕር ሒዙኪ;
  • ጸረ ነፍሳት፣ መለስለስቲ ኩስሒ ወይከኣ ጸረ ሕማም ምንፍርፋር ወይ ጸረ ኤችኣይቪ ከኒታት ትወስዲ እንሊኺ። እዚ ኣብ ዶክተር ወይ ፋርማሲስት ኣረጋግጺ;
  • ከኒና ምውሳድ እንተረሲዕኺ። 

እቲ ከኒን መከላኸሊ ጥንሲ ብዙሕ ዘየተኣማምን ኣብ ዝኾነሉe እዋን ስጋዊ ርክብ እንድሕር ትገብሪ ኮንደም ተጠቐሚ።

ኣብ ልዕሊ ጥዕናኺ ጸገም ኣስዒቡልኪ ድዩ?

እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። እዞም ሆርሞናት ብሓፈሻ ጥዕናኺ ዝጎድኡ ኣይኮኑን።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ግን ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ምምራጽ እዩ ዝሓይሽ። ንኣብነት: ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 15 ሽጋራ እንድሕር ተትክኽሞ ዕድመኻ ልዕሊ 35 ዓመት እንተኾንካ፣ ንሕማም ልቢ ወይከኣ ቫስኪዩላር ሕማም ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኻ ልዑል እንተኾይኑ። ናይ ዶክተር ምኽሪ ሕተቲ

እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ጽግያትኪ ኣይንክየልኪን። ክትጠንሲ እንተደሊኺ፣ ከኒና ምውሳድ ኣቋርጺ።

እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ኣየርጉደኪን። 

እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ሰውነት ጸጉሪ ኣይውስኽእን።

እቲ ከኒና ኣብ እትጥቀምሎም ቀዳሞት ኣዋርሕ፣ ከም ሕብጠት ኣጡባት፣ ቁሩብ መድመይቲ ኣብ መንጎ 2 ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያት፣ ምልውዋጥ ባህርያት፣ ሕማም ርእሲን ስግድግድን ዝኣመሰሉ ጎድናዊ ጸገማት ክፈጥረልኪ ይኽእልን። እቶም ጎድናዊ ሃስያታት ኩሉግዜ ኣብ መጀመርያ ክብድ ይብሉ፣ ቀስብቐስ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ይገድፉኺ። እቲ ጸገም ክሓድግ እንተ ዘይክኢሉ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትቅይሪ ትኽእሊ ኢኺ። ካልኦት እተፈላለዩ ከኒናታት እውን ኣለዉ። ምስ ዶክተር ኮንኪ ምሳኺ ዝኸይድ ከኒና ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ።

ናይ ወርሓዊ ጽግያት ክፍለ ግዜኺ ክብደቱን ቃንዛኡን ይንኪ።

ኤችኣይቪን ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ምክልኻል

እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓለለፉ ሕማማት ወይከኣ ኤችኣይቪ ኣይከላኸልን። ኮንደም ጥራይ እዩ ክከላኸለልኪ ዝኽእል።

ደቂቕ-ከኒና

ብተወሳኺ ደቂቕ ከኒና እውን ክትወስዲ ትኽእሊ ኢኺ። ምስቲ ስሩዕ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ተመሳሳሊ እዩ፣ ግን ዘተኣማምን ኣይኮነን። 

እቲ ደቂቕ ከኒና 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እቲ ሆርሞን ነቶም ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ማህጸን ከይኣትዉን ናብ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከይበጽሑን ይከላኸል።

ምዝባዕ ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያትን መድመይቲ ኣብ መንጎ 2 ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያታትን እቶም ኣዝዮም ልሙዳት ጎድናዊ ሃስያታት ናይ ደቂቕ ከኒና እዮም።

ኣወሳስዳ ደቂቕ ከኒና

ነቲ ደቂቕ ከኒና በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ውሰድዮ:

  • ኩሉ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 1 ከኒና ውሰዲ;
  • ድሕሪ 28 መዓልቲ (4 ሰሙን) ነቲ ፓኮ ምስወዳእክዮ ብጽባሒቱ ሓድሽ ጀምሪ። እቲ ደቂቕ ከኒና ኣብ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ እውን ክትወስድዮ ኣለኪ።

እቲ ደቂቕ ከኒና ካብቲ ኩሉግዜ ትወስድሉ ሰዓት ልዕሊ 12 ሰዓታት ደንጒኺ እንተወሲድክዮ ውጽኢቱ ይንኪ።  

ኩሉ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ካብቲ ፓኮ 1 ሓንቲ ከኒና ውሰዲ።
ድሕሪ 28 መዓልቲ (4 ሰሙን) ነቲ ፓኮ ምስወዳእክዮ ብጽባሒቱ ሓድሽ ጀምሪ። እቲ ደቂቕ-ከኒና ኣብ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ እውን ምውሳድ ክትቅጽሊ ኣለኪ።