እቲ መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ

እቲ መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እቲ ሆርሞን ዋሃዮ እንቋቑሖ ንዘኣጎለ እንቋቑሖ ድልው ከይኸውን ይኽልክል። ብተወሳኺ እቶም ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ማህጸን ከይኣትዉ ይከላኸል ከምኡድማ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከይፍጠር ይኽልክል። 

እቲ መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ ከመይ እዩ ዝሰርሕ

እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ እቲ መርፍ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ መቐመጫኺ ወይ ኣብ ቅልጽምኪ ክወግአኪ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ሰለስተ ወርሒ (12 ሰሙን) ሓድሽ መርፍእ ክትውግኢ ኣለኪ።

ዘተኣማምን

እቶም ልጋብ መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምክሉ ኣዝዩ ዘተኣማምን።

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ሃስያ

እቲ መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሆርሞን ብሓፈሻ ጥዕናኺ ዝጎድእ ኣይኮነን።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ግን ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ምምራጽ ይሓይሽ። ንኣብነት ንሕማም ልቢ ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኺ ኣዝዩ ልዑል እንተኾይኑ። ናይ ዶክተር ምኽሪ ሕተቲ

እቲ መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ ጽግየትኪ ኣይንክየልኪን። ክትጠንሲ እንተደሊኺ፣ መርፍእ ምውጋእ ከተቋርጺ ኣለኪ። ይኹን እምበር ዑደትኪ ናብ ንቡር ንክምለስ ካብ ቁሩብ ኣዋርሕ ክሳዕ ሓደ ዓመት ክወስደልኪ ይኽእል እዩ።

ከም ሕማም ርእሲ፣ ምልውዋጥ ባህርያት፣ ምዝባዕ ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያትን ሕብጠት ኣጥቧትን ዝኣመሰሉ ጎድናዊ ሳዕቤናት ከጋጥሙኺ ይኽእሉ እዮም። እቶም ጎድናዊ ሃስያታት ኩሉግዜ ኣብ መጀመርያ ክብድ ይብሉ፣ ቀስብቐስ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ይገድፉኺ። እቲ ጸገም ክሓድግ እንተ ዘይክኢሉ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትቅይሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ገለ ኣንስቲ ድሕሪ እቲ ናይ ፈለማ መርፍእ ምውሳደን ቁሩብ (ንጣብ) ክደምያ ይኽእላ እየን። እዚ ጉድኣት የብሉን። እቲ ጸረርታ ባዕሉ ከቋርጽ እንተዘይክኢሉ እቲ ካልኣይ መርፍእ ኣብ ክንዲ ኣብ 12 ሰሙን ኣብ 8-10 ሰሙን ክትውግእዮ ትኽእሊ። ውሑዳት ሰባት ድሕሪ እቲ ካልኣይ መርፍእ ምውሳደን እውን ጸረርታ ደም የጋጥመን፣ መብዛሕትአን ኣንስቲ ግን ብስሩዕ ኣገባብ መርፍእ ክሳዕ ዝተወግኣ ፈጺሙ መድመይቲ ኣየጋጥመንን። 

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን

እቲ መርፍእ መከላኸሊ ጥንሲ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ወይ ኤችኣይቪ ኣይከላኸልን። ኮንደም ጥራይ እዩ ክከላኸለልኪ ዝኽእል።