ንኹነታትኪን ንመዋእልኪን ዝያዳ ዝምቹወኪ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትመርጺ ትኽእሊ። እቲ ሜላ ኣብ ከይዲ መነባብሮኺ ክትቅይርዮ ትኽእሊ ኢኺ። ኣየኖት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ክትረኽቢ ከምትኽእሊን ገለ ሜላ ክትመርጺ እንከለኺ ንገዛእርእስኺ እንታይ ዓይነት ሕቶታት ክትሓቲ ከምዘለኪን ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። እቲ ሕርያ ናትኪ እዩ።

ንዓኺ ዝያዳ ዝስመዕመዓኪ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ንምምራጽ፣ ንገዛእርእስኺ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክትሓቲ ትኽእሊ:

  • ዕድመይ ክንደይ እዩ?
    መንእሰያት ኣንስቲ ኣዝየን ጸገይቲ እየን። ዘተኣማምን ሜላ ምምራጽ ኣገዳሲ እዩ።
  • ረሳዒት ድየ?
    ዘይስሩዕ ሰዓታት ዝኽተል ስራሕ ድዩ ዘለኒ?
    ህይወተይ ሓርኮትኮት ዝበዝሖ ድዩ?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ እንከለኺ ደጋጊምኪ ክትዝክሪ ኣለኪ።
  • መጻምድተይ ብተደጋጋሚ ዝቀያየሩ ድዮም?
    መጻምድትኺ ብተደጋጋሚ ትቐያይሪ እንተኾንኪ ብስጋዊ ርክብ ንዝመሓላለፉ ረኽሲታት ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኺ ልዑል ይኸውን። ንገዛእርእስኺ ካብ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ሓልዊ
  • ሓደሓደ ግዜ ጥራይ ድየ ወሲባዊ ርክብ ዝገብር?
    ኣብቲ ወሲባዊ ርክብ ክትገብሪ እትደልይሉ እዋን ጥራይ ኢኺ ኮንደም ናይ ጓልኣነስተይቲ ኮንደም ወይድማ ዳያፍራም ትጥቀሚ።
  • የትክኽ ድየ? ኮሲጠ ድየ?
    ገለ ሆርሞናት ዝሓዙ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ እትጥቀምሉ እዋን እንድሕር ተትክኺ ኮንኪ እቶም ስግኣተ-ሓደጋታት ክብ ይብሉ። 
  • ናይ ምኽፋል ዓቕመይ እንታይ ይመስል?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ካብቶም ካልኦት ዝሓሰሩ እዮም።
  • ሃይማኖተይ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ገለ ዝብሎ ነገር ኣሎ ድዩ፣ እንተልዩኸ እዚ ንዓይ የገድሰኒ ድዩ?
  • መጻምድተይ ወይከኣ ስድራቤተይ ብዛዕባ ዝወስዶ ዘለኹ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክፈልጡ እደሊ ድየ?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ቅሉዓት ወይ ዝረኣዩ ኣይኮኑን።
  • ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያተይ (መድመይት) ክቕጽል ድየ ዝደሊ? ስሩዕ ዑደት ክህልወኒ ድየ ዝደሊ?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዑደትኪ ዝያዳ ስሩዕ ክኸውን ይሕግዙ። ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ድማ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ከምዝዛባዕን ድሕሪ ግዜ ምሉእብምሉእ ከምዝጠፍእን ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።
  • ናይ መከላኸሊ ጥንሲ መድሓኒተይ ወይ መሳርሒየይ ናይ ጥዕና ሞያዊ እንተወግአኒ ወይ እንተሰኮዖ ስኽፍ ክብለኒዶ ይኽእል?
    ገለ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ እንከለኺ ናይ ጥዕና ሞያዊ ሓገዝ ድልየኪ፣ ገሌኦም ክትጥቀሚ እንከለኺ ድማ ኣየድልየክን።

ካብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ምኽሪ ሕተቲ። ብተወሳኺ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ምስ መጻምድትኺ ተዘራረቢ ኢኺ። መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ምጥቃም ግቡእነት ናይ ክልቲኦም መጻምድቲ እዩ። ናብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ብሓባር ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም።

ሓደ ሜላ ንዓኺ እንድሕር ዘይሰሪሑልኪ፣ ካልእ ክትቅይሪ ትኽእሊ ኢኺ። ንኣብነት: ኣካላትኪ ጽቡቕ እንድሕር ዘይተሰሚዑኪ፣ ጎድናዊ ሳዕቤናት እንድሕር ኣጋጢሞምኺ፣ መጻምድትኺ እንድሕር ዘይደልዩዎ፣ ኣዝዩ ኽባር እንተኾይኑ፣ ወዘተ።