እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ

እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ክንድ ክርቢት ዝኸውን ተዓጻጻፊ ሽንጣር እዩ። 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሆርሞን ዘኣጎለ እንቋቑሖ ይከላኸል። ብተወሳኺ እቶም ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ማህጸን ከይኣትዉን ናብ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከይበጽሑን ይከላኸል።

እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ከመይ እዩ ዝሰርሕ

ዶክተር፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ወይከኣ መሕረሲት ነቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ይገብሩልኪ። ከባቢያዊ መደንዘዚ ይግበረልኪሞ፣ ካብኡ እቲ ሽንጣር ብመርፍ ኣብ ውሽጢ ቆርበት ቅልጽምኪ ይቕበር። እዚ ዋላሓንቲ ቃንዛ ኣየስዕብን።

እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ን 3 ዓመት የገልግል ድሕሪ 3 ዓመት ግን ክትካእ ኣለዎ።

ዘተኣማምን

እቶም ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምክሉ ኣዝዩ ዘተኣማምን። ይኹን እምበር፣ ገለ ጸረ ኤችኣይቪ ኣፋውስ ኣድማዒነቱ ክንክይዎ እዮም።

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ሃስያ

እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ 1 ሆርሞን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሆርሞን ብሓፈሻ ጥዕናኺ ዝጎድእ ኣይኮነን።

እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ጽግየትኪ ኣይንክየልኪን። ክትጠንሲ እንተደሊኺ፣ እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ኣወግድዮ።

እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ እትጥቀምሎም ቀዳሞት ኣዋርሕ፣ ከም ሕብጠት ኣጡባትሕማም ርእሲ፣ ምልውዋጥ ባህርያት ከምኡድማ ምዝባዕ ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያት ዝኣመሰሉ ጎድናዊ ጸገማት ክፈጥረልኪ ይኽእልን። እቶም ጎድናዊ ሃስያታት ኩሉግዜ ኣብ መጀመርያ ክብድ ይብሉ፣ ቀስብቐስ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ይገድፉኺ። እቲ ጸገም ክሓድግ እንተ ዘይክኢሉ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትቅይሪ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ዝፈጥሮ ሳዕቤን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ እዩ። ገለ ኣንስቲ ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያተን የቋርጹ፣ ገሌአን ከኣ ወርሕዊ ጽግያተን ከምዝነበሮ ይቕጽል፣ ይኹን እምበር እቲ ወርሓዊ ጽግያት ኩሉግዜ ቅልል ዝበለ ይኸውን። ገለ ኣንስቲ ወርሓዊ ጽግያተን ይዛባዕ። 

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን

እቲ ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓለለፉ ሕማማት ወይከኣ ኤችኣይቪኣይከላኸልን። ኮንደም ጥራይ እዩ ክከላኸለልኪ ዝኽእል።