ኮንደም ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። ኮንደም ረቂቕ ካብ ጎማ ዝተሰርሐ ሽፋን መትሎ እዩ። እቲ ሰብኣይ ምስ ኣፍሰሰ ነቲ ዕልቋቕ ኣዕቚሩ ይሕዞ።

ኮንደም ከከም ርጉደት ናይቲ መትሎ ብዝተፈላለየ ግዝፈት ይርከቡ። እቲ ኮንደም ኣዝዩ ጸቢብ ወይከኣ ኣዝዩ ገፊሕ ክኸውን የብሉን።

ኣተኣታትዋ ኮንደም

ቅድሚ መትሎኻ ናብ ርሕሚ ምስላዅካ ኮንደም ኣእቱ። በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ኣእትዎ:

  • ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ከምዘይሓለፈ ፈትሽ ካብኡ እቲ ከረጢት ዘይተበላሸወ ከምዝኾነ ረኣይ። ኣብ ሽፋኑ ደረጃ ጽፈት CE ዝገልጽ ጽሑፍ ዝተጠቐዐሉ ኮንደም ጥራይ ተጠቐሙ። 
  • ነቲ ከረጢት ቀዲድካ ክፈቶ ኣብቲ ሓደ ገጽ ናይቲ ከረጢት ንእሽተይ ሕርሓር ኣሎ። ብመቐስ፣ ካራ ወይ ስንኻ ከይትኸፍቶ። እቲ ኮንደም ክቕደድ ይኽእል እዩ። ብኣጽፋርካ ከይትበስዖ ተጠንቀቕ። 
  • እቲ መትሎ ዘይተኸንሸበ እንተኾይኑ ነቲ ቆቢዕ መትሎ ንድሕሪት ክበሶ። ጫፍ ናይቲ ኮንደም ረምጢጥካ ብምሓዝ መትሓዚ ዕልቋቕ ዝኸውን ክፍተት ትገድፍ፣ ሽዕኡ እቲ ኮንደም ኣብ ጫፍ እቲ መትሎ ግበሮ። እቲ መትሎ ዝተረረ (ረስኒ) ክኸውን ኣለዎ።
  • እቲ ዝተጠቕለለ ከፈፍ ናይቲ ኮንደም ብደገ ከምዘለዎ ኣረጋግጽ። ሽዕኡ እቲ ኮንደም መታን ከይመሉቕ ሙሉእ መትሎ ክሳዕ ዝሽፍን እናዘርጋሕኻ ኣእትዎ። 
  • ድሕሪ ምፍሳስ ዕልቋቕ፣ እቲ ኮንደም መትሎኻ ብተሪሩ እናሃለወ ኣውጽኣዮ። 
  • ነቲ ኮንደም ኣብ ከፈፉ ሓዞ ዕልቋቕ ከምዘይልሑኽ ከኣ ኣረጋግጽ። 
  • ነቲ ኮንደም ዕልቋቕ ከምዘይንጥብ ጌርካ ቋጺርካ ለቁሞ። እቲ ዘገልግለ ኮንደም ናብ ናይ ጓሓፍ ሻንኬሎ ሰንድዎ። 
ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ዘየብቀዐ ምዃኑ ፈትሺ። ኣብ ሽፋኑ ደረጃ ጽፈት CE ዝገልጽ ጽሑፍ ዝተጠቐዐሉ ኮንደም ጥራይ ተጠቐሙ።
ነቲ ከረጢት ቀዲድካ ክፈቶ ኣብቲ ሓደ ገጽ ናይቲ ከረጢት ንእሽተይ ሕርሓር ኣሎ።
ጫፍ ናይቲ ኮንደም ረምጢጥካ ብምሓዝ መትሓዚ ዕልቋቕ ዝኸውን ክፍተት ትገድፍ፣ ሽዕኡ እቲ ኮንደም ኣብ ጫፍ እቲ መትሎ ግበሮ።
ሽዕኡ እቲ ኮንደም መታን ከይመሉቕ ሙሉእ መትሎ ክሳዕ ዝሽፍን እናዘርጋሕኻ ኣእትዎ።
እቲ ኮንደም ንኽትጥቀመሉ ድሉው ኮይኑ ኣሎ።
ድሕሪ ምፍሳስ ዕልቋቕ፣ እቲ ኮንደም መትሎኻ ብተሪሩ እናሃለወ ኣውጽኣዮ።
ነቲ ኮንደም ኣብ ከፈፉ ሓዞ ዕልቋቕ ከምዘይልሑኽ ከኣ ኣረጋግጽ።
ነቲ ኮንደም ዕልቋቕ ከምዘይንጥብ ጌርካ ቋጺርካ ለቁሞ። እቲ ዘገልግለ ኮንደም ናብ ናይ ጓሓፍ ሻንኬሎ ሰንድዎ።

ነቲ ኮንደም ሓደሻብ ጥራይ ተጠቐመሉ። 

ብሓደ ግዜ 2 ኮንደም ደሪብካ ኣይትጠቐም። እቶም ኮንደማት ክቕደዱ ይኽእሉ እዮም።

ምስቲ ኮንደም ካብ ማይ ዝተሰርሑ መለሳለስቲ ጥራይ ተጠቐም።

ኤችኣይቪን ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ምክልኻል

ብተወሳኺ እቲ ኮንደም ንኤችኣይቪን ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋ ይከላኸልን ይንኪን።

ክልቲኦም ግቡእ ይወስዱ

ኮንደም ናይ ምጥቃም ግቡእ ናይ ክልቲኦም መጻምድቲ እዩ። ብዛዕባኡ ምስ መጻምድትኺ ተዘራረቢ።