እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ

እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ካብ ፕላስቲክ ዝተሰርሐ ረቂቕ፣ ተዓጻጻፊ ዓንኬል እዩ። ልክዕ ከም ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ 2 ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። እቶም ሆርሞናት ዘኣጎለ እንቋቑሖ ይከላኸሉ። ብተወሳኺ እቶም ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ማህጸን ከይኣትዉን ናብ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከይበጽሑን ይከላኸሉ። 

ዓንኬል ርሕሚ
ነቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ረምጥጥዮ

ኣጠቓቕማ ናይ ርሕሚ ዓንኬል

ናይ ርሕሚ ዓንኬል በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ተጠቐሚሉ:

  • ነቲ ዓንኬል ርሕሚ ረምጥጥዮ። 
  • እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ናብ ውሽጢ ርሕሚ ሰኩዕዮ። እቲ ዓንኬል ብዝተፈላለየ መንገዲ ከተእትውዮ ትኽእሊ ኢኺ፣ ንኣብነት: ብጠጠውኪ 1 እግርኺ ንላዕሊ ሓፍ ብምባል፣ ተገዲም ወይ ተጎምቢሕኺ።
  • 1 ኣጻብዕቲኺ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ኣእቲኺ ነቲ ዓንኬል ክንዲ ዝኸኣልኪ ድፍእዮ። 
  • እቲ ዓንኬል ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም ኣብ ቦትኡ ይጸንሕ። እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ከተውጽእዮ ትኽእሊ ኢኺ፣ ግን ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት መሊስኪ ከተእትውዮ ኣለኪ። 
  • እቲ ዓንኬል ንምውጋድ ኢድኪ ናብ ርሕሚኺ ኣእቲኺ በቲ ዓንኬል ሒዝኪ ሰዓብዮ። ቀስ ኣቢልኪ ሰሓብዮ። 
  • እቲ ዓንኬል ብቐጻሊ ን 3 ሰሙን ምስገበርክዮ፣ ናብ እንዳ ጓሓፍ ሰንኬሎ ደርብይዮ። እቲ ዓንኬል ልክዕ ኣብ ከምታ ዘእተኽላ መዓልቲ ኣወግድያ (ንኣብነት: ረቡዕ)።
  • ኣብተን ዝቕጽላ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን)፣ ነቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ኣይትጥቀምሉን። ኣብዚ ሰሙን እዚ ክትደምዪ ክትጅምሪ ኢኺ (ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት)። ብተወሳኺ ኣብዚ ሰሙን መከላኸሊ እናወድኪ ኢኺ።
  • ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ዋላ እናደመኺ ሓድሽ ዓንኬል ከተእትዊ ኣለኪ። 
  • እቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ቅደምሰዓባት ድገምዮም።
ነቲ ዓንኬል ርሕሚ ረምጥጥዮ።
እቲ ዓንኬል ናብ ውሽጢ ርሕሚ ሰኩዕዮ።
1 ኣጻብዕቲኺ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ኣእቲኺ ነቲ ዓንኬል ክንዲ ዝኸኣልኪ ድፍእዮ።
እቲ ዓንኬል ብግቡእ ናብቲ ርሕሚ ተቐሚጡ ኣሎ።
እቲ ዓንኬል ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም ኣብ ቦትኡ ይጸንሕ። እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ከተውጽእዮ ትኽእሊ ኢኺ፣ ግን ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት መሊስኪ ከተእትውዮ ኣለኪ።
እቲ ዓንኬል ንምውጋድ ኢድኪ ናብ ርሕሚ ኣእቲኺ በቲ ዓንኬል ሒዝኪ ሰዓብዮ። ቀስ ኣቢልኪ ሰሓብዮ።
እቲ ዓንኬል ብቐጻሊ ን 3 ሰሙን ምስገበርክዮ፣ ናብ እንዳ ጓሓፍ ሰንኬሎ ደርብይዮ።
እቲ ዓንኬል ብቐጻሊ ን 3 ሰሙን ግበርዮ። ኣብተን ዝቕጽላ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን)፣ ነቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ኣይትጥቀምሉን። ኣብዚ ሰሙን ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ክጅምር እዩ። ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ዋላ እናደመኺ ሓድሽ ዓንኬል ከተእትዊ ኣለኪ። እቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ቅደምሰዓባት ድገምዮም።

ዘተኣማምን

እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምክሉ ኣዝዩ ዘተኣማምን እዩ።
እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ብዙሕ ዘየተኣማምን ክኸውን ዝኽእል:

  • ጸረ ነፍሳት ወይከኣ ጸረ ሕማም ምንፍርፋር ወይ ጸረ ኤችኣይቪ ከኒታት ትወስዲ እንተሊኺ። ኣብ ዶክተር ወይ ፋርማሲስት ኣረጋግጺ;
  • እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ድሕሪ ናይ 7-መዓልቲ ዕረፍቲ ከተእትውዮ እናተገበአኪ እንድሕር ሲዕክዮ፣ ወይከኣ ክትቅይርዮ እናተገበአኪ እንድሕር ረሲዕክዮ;
  • እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል እንድሕር ኣጥፊእክዮሞ መሊስኪ እንድሕር ዘይኣእቲኽዮ፣ ወይከኣ ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት ሓድሽ እንድሕር ዘይኣእቲኺ።

እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ካብ ቤት-መድሓኒታ ምስዓደግክዮ ድሕሪ 4 ወርሒ እውን ክትጥቀምሉ ትኽእሊ ኢኺ። 

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ሃስያ

እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። እዞም ሆርሞናት ብሓፈሻ ጥዕናኺ ዝጎድኡ ኣይኮኑን።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ግን ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ምምራጽ ይሓይሽ። ንኣብነት: ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 15 ሽጋራ እንድሕር ተትክኽሞ ዕድመኻ ልዕሊ 35 ዓመት እንተኾንካ፣ ንሕማም ልቢ ወይከኣ ቫስኪዩላር ሕማም ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኻ ልዑል እንተኾይኑ። ናይ ዶክተር ምኽሪ ሕተቲ

እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ጽግየትኪ ኣይንክየልኪን። ክትጠንሲ እንተደሊኺ፣ እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ኣወግድዮ።

እዚ ሜላ ኣብ እትጥቀምሉ መጀምርያ ወርሒ፣ ከም ሕብጠት ኣጥቧት፣ ምልውዋጥ ባህርያት፣ ሕማም ርእሲን ስግድግድን ዝኣመሰሉ " data-toggle="tooltip" href="http://zanzu.no.dedivirt990.your-server.de/en/dictionary/letter/side-effect/">ጎድናዊ ሳቤናት ከጋጥሙኺ ይኽእሉ እዮም። እቶም ጎድናዊ ሃስያታት ኩሉግዜ ኣብ መጀመርያ ክብድ ይብሉ፣ ቀስብቐስ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ይገድፉኺ። እቲ ጸገም ክሓድግ እንድሕር ዘይክኢሉ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትቅይሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ናይ ወርሓዊ ጽግያት ክፍለ ግዜኺ ክብደቱን ቃንዛኡን ይንኪ።

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን

እቲ ናይ ርሕሚ ዓንኬል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓለለፉ ሕማማት ወይከኣ ኤችኣይቪ ኣይከላኸልን። ኮንደም ጥራይ እዩ ክከላኸለልኪ ዝኽእል።