እቲ ዳያፍራም ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። እቲ ዳያፍራም ኣብ ኒርወይ ልሙድ ኣይኮነን፣ ይኹን እምበር ካብ ገለ ቤት-መድሓኒታት ኦንላይን ክዕደግ ይኽእል እዩ። 

ዳያፍራም ካብ ሲሊከን ዝተሰርሐ ቆቢዕ እዩ። ኣብ ኣፍ ማህጸን (ክሳድ ማህጸን) ኮይኑ ዕልቋቕ ናብ ዋህዪታት እንቋቑሖ ከይኣቱ ይኽልክል። እቲ ዳያፍራም ምስ ልኻይ እዩ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል። 

ዳያፍራም ኣብ ምክልኻል ዘይተደለየ ጥንሲ ክንዲ ሆርሞናዊ መከላኸሊ ጥንሲ ወይ IUDs ዘተኣማምን ኣይኮነን። ስለዚ ከይትጠንሲ ብዙሕ ዘይትጭነቒ እንተኾንኪነ እምበር ብዙሕ ዝምከር ኣይኮነን። 

እቲ ኣብ ኖርወይ ዝሽየጥ ዳያፍራም ንመብዛሕትአን አንስቲ ብልክዐን ዝተሰርሐ ኮይኑ ከምዝደለኻዮ ክተዓራረ ዝኽእል ግን ኣይኮነን። ካልኦት ዳያፍራማት ግን ዕቅንኪ እንተረኺብኪ ጥራይ እዮም ክሰርሑ ዝኽእሉ። ኣየናይ ዕቅንኪ ከምዝኸውን ዶክተር ወይ መሕረሲት ክውሱኑልኪ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ዶክተርኪ፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ወይ ካብ መሕረሲት ሓገዝ ክትጠልቢ ትኽእሊ ኢኺ። ብተወሳኺ ክተዘራርብዮም እትኽእሊ ገለ ወሃብቲ ኣገልግሎት ምኽሪ ኣለዉ። ብተወሳኺ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ዳያፍራም እውን ምኽሪ ክህቡኺ ይኽእሉ እዮም።

ኣጠቓቕማ ዳያፍራም

እቲ ዳያፍራም ንመጀመርያ ግዜ ቅድሚ ምጥቃምኪ፣ ግቡእ ኣተኣታትዋ ዳያፍራም ቁሩብ ግዜ ደጋጊም ክትለማመዲ ኣለኪ። እቲ ዳያፍራም ብግቡእ ንክሰርሕ ብግቡእ ክቕመጥ ኣለዎ።

  • እቲ ዳያፍራም ስጋዊ ርክብ ክትጅምሪ ክልተ ሰዓት ክተርፈኪ እንከሎከተእትውዮ ትኽእሊ ኢኺ። ብተወሳኺ ልክዕ ስጋዊ ርክብ ቅትጅምሪ ክትብሊ እንከለኺ እውን ከተእትውዮ ትኽእሊ ኢኺ።
  • ኣብ ውሽጢ እቲ ዳያፍራም ፍሉይ ልኻይ ግበሪ። 
  • እቲ ነዃል ገጽ ናብቲ ማህጸን ገጹ መታን ከቕንዕ እቲ ዳያፍራም ዕጸፍዮ። 
  • እቲ ዳያፍራም ብዕምቆት ናብ ርሕሚ ኣእቲኺ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ማህጸን ከምዝኸውን ግበርዮ። 
  • ኣቀማምጣኡ ትኽክል ከምዝኾነ ኣረጋግጺ። እቲ ዳያፍራም ናይ ግድን ንኣፍ እቲ ማህጸን (ክሳድ ማህጸን) ሸፊኑ ብግቡእ ቦትኡ ሒዝ ክቕመጥ ኣለዎ።
  • እቲ ዳያፍራም ድሕሪ ስጋዊ ርክብ እንተቐልጢፍኪ ኣብ ውሽጢ ካብ ሽዱሽተ ክሳዕ ሸሞንተ ሰዓት እንተደንጒኺ ድማ ድሕሪ 24 ሰዓት ከተወግድዮ ኣለኪ። ንታሕቲን ንላዕሊን ድፍእዮ።

እቲ ዳያፍራም ብውዑይ ማይን ሳሙናን ሕጸብዮ ኣጸቢቕኪ ከኣ ለቕልቕዮ። ሽዕኡ ኣንቅጽዮ። 

ኣብ ምቹእ ሳጽን ኣቕምጥዮ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ዳያፍራም ንዋሃዮታት ፍረዘርኢ ዝቐትል ወይከኣ ዘዳኽም ፍሉይ ልኻይ ምግባር።
ነቲ ዳያፍራም ኣብ ፍርቁ ዕጸፍዮ።
እቲ ዳያፍራም በቲ ነዃል ገጺ ናብ ማህጸን ገጹ ጌርኪ ሓዝዮ።
እቲ ዳያፍራም ብዕምቆት ናብ ርሕሚ ኣእቲኺ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ማህጸን ግበርዮ። እቲ ክሳድ ማህጸን ናይ ግድን ክሽፈን ኣለዎ።
እቲ ዳያፍራም ተሰኲዑ ኣሎ።
እቲ ዳያፍራም ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም ኣብ ቦትኡ ይጸንሕ።
ነቲ ዳያፍራም ስሒብኪ ብምውጻእ ኣወግድዮ።
ብውዑይ ማይ ሓጺብኪ ኣንቅጽዮ።

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን

እቲ ዳያፍራም ስጋዊ ርክብ ብምግባር ካብ ዝመሓላፉ ሕማማት ወይ ኤችኣይቪ ኣይከላኸልን። ኮንደም ጥራይ እዩ ካብዞም ረኽሲታት ክከላኸለልኪ ዝኽእል።