ኣብ ኖርወይ፣ ኩለን ጥኑሳት ኣንስቲ ኣብ እዋን ጥንሲ ሕክምናዊ ክንክን ናይ ምርካብ መሰል ኣለወን። እቲ ኣገልግሎት ካብ ክፍሊት ናጻ እዩ። ኣብ እዋን ጥንሲ ብዶክተርኪ ወይ ብመሕረሲትኪ ክንክን ክግበረልኪ እዩ። ናትኪን ናይ ቆልዓኺን ጥዕናን ጽቡቕነትን ንምርግጋጽ ማዕዳን ሓገዝን ክህቡኺ እዮም።

ኣብ እዋን ጥንሲ ዝግበሩ ኣጋዊ ምርመራታት

ጥንስቲ ምዃንኪ ምስ ፈለጥኪ ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ወይከኣ ናብ መሕረሲት ክትከዲ ኣለኪ። ናብ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ፣ መሕረሲትኪ፣ ክትከዲ ወይከኣ ክልቲኦም ክትትል ክገብሩልኪ ክትመርጺ ትኽእሊ። 

እንድሕር ጥንስቲ ኮንኪ እቲ ዶክተር ከምኡድማ / ወይድማ እታ መሕረሲት ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ጥንስኺ ንዓኺን ነቲ ዕሸልን ክትትል ክግብሩልኪ እዮም። ስሩዓት ኣጋዊ ናይ መጻረዪ ምርመራታትን ምኽሪታትን እውን ክህቡኺ እዮም። ኣብቲ ምርመራታት ብዛዕባ ዘጋጠሙኺ ጉዳያት ወይ ጸገማት ከተዕልሊ ትኽእሊ ኢኺ። ብዛዕባ ጥንሲን ሕርሲን ክትፈልጥዮ እትደልይዮ ኩሉ ነገር ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ብተወሳኺ ብዛሕባ ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ ግዜን ብዛዕባ ጡብ ምጥባውን ከተዋግዒ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣብዞም ናይ ምኽሪ እዋናት ካብ ብቑዕ ተርጓሚ ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

"helsekort for gravide" ዝበሃል ሰነድ (ናይ ኣዶ ጥዕና ሓገዝ) ክትወሃቢ ኢኺ። ኩሎም ኣገደስቲ ንጥንስኺ ዝምልከቱ ሓበሬታታት በቲ ዶክተር ወይ በታ መሕረሲት ኣብቲ ፓስፖርት ክጸሓፉልኪ እዮም። ካብቲ ዶክተር፣ መሕረሲት ምኽሪ ክትረኽቢ ክትመጺ እንከለኺ ከምኡድማ ናብ ሆስፒታል ክትመጺ እንከለኺ እቲ ናይ ኣደነት ጥዕና ፓስፖርት ሒዝክዮ ክትመጺ ኣለኪ። ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዘድልየሉ ኩነታት፣ ጥንስቲ እንተኾንኪ እቲ ናይ ኣደነት ጥዕና ፓስፖርት ኩሉግዜ ምሳኺ ክትሕዝዮ ኣለኪ። 

ስሩዓት ናይ ኣጋዊ ምጽራይ ምርመራታት

እዚ እቲ ዶክተር ከምኡድማ / ወይድማ እታ መሕረሲት ዝገብሩዎ ነገር እዩ:

  • ንሱ ወይ ንሳ ብዛዕባ ጥንስኺ ዝያዳ ንምፍላጥ ብዛዕባኺ፣ ብዛዕባ ሕሉፋት ጥንሲታትኪ፣ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ዝረኣኽላ ናይ መወዳእታ መዓልቲ፣ ብዛዕባ መጻምድትኺ፣ ብዛዕባ ክልቲኦም ቤተሰባትኪ፣ ወዘተ ክሓቱኺ እዮም።
  • ንሱ ወይ ንሳ ክብደትኪ፣ ጸቕጢ ደምኪን ማህጸንኪን ክምርምሩኺ እዮም። ብተወሳኺ ናይ ሽንቲ መርኣያ እውን ክትህቢ ኣለኪ። 
  • ንሱ ወይ ንሳ ናይቲ ዕሸል ሕማም ወይ ዘይልሙድ ኩነታት ንምምርማር ክግበሩ ብዛዕባ ዝግበኦም ምርመራታት ክነግሩኺ እዮም (ናይ ቅድሚ ሕርሲ ምርመራታት)። እቶም መርመራታት ክግበሩልኪ ትደልይዶ ኣይትደልዪን ባዕልኺ ኢኺ ትውስኒ።
  • ንሱ/ንሳ ብዛዕባ ናይ ኣእምሮ ጥዕናኺ ከምኡድማ ጥቃዕቲ ከምኡድማ/ወይድማ ዘሰንብድ ተዘክሮ ኣጋጢሙኪ ዝፈልጥ እንተኾይኑ ክሓቱኺ እዮም።
  • ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ ንሱ ወይድማ ንሳ ብርሕሚ ኣእትዮም መርመራ ክገብሩ እዮም።

ነዚ ዝስዕብ ዕላማ ኣብ መበል 17-19 ሰሙን ጥንስኺ ኣልትራሳውንድ ክትረኣዪ ኢኺ: 

  • ትጽቢት ዝገበረሉ ናይ ሕርሲ ዕለት ንምፍላጥ
  • ጥንስኺ ሓደ ድዩ ወይ ማንታ ንምፍላጥ
  • ኣቀማምጣ መዳሕንቲ ንምፍታሽ፣

ድሕሪ 24. ሰሙን ጥንሲ እቲ ዕሸል ከምዝንቀሳቐስ መዓልታዊ ክትምለከቲ ኢኺ። ናይ ዕሸልኪ ምንቅስቓስ ኣሰራርዓ ክትለምድዮ ኢኺ። ሽዕኡ ኣብ መወዳእታ እዋናት ናይቲ ጥንሲ እቲ ዕሸል ናይ ምንቅስቓስ ኣካይዳኡ እንተቐይሩ ክትነግሪ ክትክእሊ ኢኺ። እዚ ገለ ሽግር ከምዝተፈጥረ ዘርኢ ምልክት ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ኣብ መበል 17-19 ሰሙን ጥንስኺ ኣልትራሳውንድ ክትረኣዪ ኢኺ።
ኣብ ናይ ምርመራ ዓራት ዝተገደመት ሰበይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ከብዳ እዩ። ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ ኣብ መወዳእታ ጥንስኺ እቲ ዶክተር ናይ ርሕሚ ምርመራ ክገብር ይኽእል እዩ።
ናይ ርሕሚ ምርመራ ዝርዝር: እቲ ዶክተር ክሳድ ማህጸን እንተተኸፊቱ ንምርኣይ ናብ ርሕሚ ኣጻብዕቱ እናእተወ። ንሱ/ንሳ እውን ኩነታት ማህጸን ካብ ደገ ይፍትሽ።

ህጹጽ ረድኤት ሕክምና ዝጠልቡ ኩነታት

ሒደት ህጹጽ ረድኤት ሕክምና ዝጠልቡ ኩነታት ኣለዉ። ሽዕኡ ክትድንጉዪ ኣይትኽእሊን። ዶክተር ወይ መሕረሲት ኣዛርቢ እንድሕር:

  • ብኸብድኺ እንድሕር ወዲቕኪ
  • ኣብ ከብድኺ ከቢድ ቃንዛ እንድሕር ኣለኪ፣
  • ንብዙሕ መዓልቲ ረስኒ እንድሕር ኣጋጢሙኪ፣
  • ከቢድ ሕማም ርእሲ እንድሕር ኣለኪ፣
  • ኣብ ብርሃን ዓይንኺ ጽልምትምት እንድሕር ዝበለኪ፣
  • ኣብ ምትንፋስ ጸገማት እንድሕር ኣለዉኺ፣
  • ቆርበትኪ ሰማያዊ ቀለም እንድሕር ሒዙ፣
  • ናይቲ ዕሸል ምንቅስቓስ ካብቲ ቅድም ኢሉ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ዝነከየ ኮይኑ እንድሕር ተሰሚዑኪ፣
  • ብዙሕ ክብደት እንድሕር ነኪኺ

ወይድማ

  • ብርሕሚኺ ደም እንድሕር ፈሲሱኪ፣
  • ሕማቕ ጨና ዘለዎ ብዙሕ ጻዕዳ ፈሳሲ ካብ ርሕሚኺ እንድሕር ፈሲሱኪ፣
  • ብርሕሚኺ ኣሚኖቲክ ፈሳሲ እንድሕር ፈሲሱኪ።
ብኸብድኺ እንድሕር ወዲቕኪ ናብ ዶክተር ኪዲ።
ኣብ ከብድኺ ከቢድ ቃንዛ እንድሕር ተሰሚዑኪ ናብ ዶክተር ኪዲ።
ቀጻሊ ዝኾነ ረስኒ እንድሕር ኣለኪ ናብ ዶክተር ኪዲ።
ብርሕሚኺ ደም እንድሕር ፈሲሱኪ ናብ ዶክተር ኪዲ።
ብዙሕ ክብደት እንድሕር ነኪኺ ናብ ዶክተር ኪዲ።
ብርሕሚኺ ፈሳሲ እንድሕር ፈሲሱኪ ናብ ዶክተር ኪዲ።
ሕማቕ ጨና ዘለዎ ብዙሕ ጻዕዳ ፈሳሲ ካብ ርሕሚኺ እንድሕር ፈሲሱኪ ናብ ዶክተር ኪዲ።

ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ኣብ እዋን ጥንሲ

ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ማለት ኣብ መንጎ ክልተ መጻምድቲ ሰባት ዝግበር ዝኾነ ዓይነት መጥቃዕቲ እዩ። ናይ መጻምድቲ ባእሲ ብሕጊ ክልኩል እዩ። እቲ ሕጊ ካብ መጥቃዕቲ ይሕልወኪ እዩ፣ እዚ ማለት ደገፍን ሓገዝን ናይ ምርካብ መሰል ኣለኪ ማለት እዩ።

ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥም ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ እታ ኣደን እቲ ዕሸልን ናይ ጥዕና ጸገማት ክፈጥር ይኽእል እዩ። እቶም ጸገማት ኣካላዊ ወይ ስነኣእምሮኣዊ ክኾኑ ይኽእሉ። ንኣብነት: ሻቕሎት፣ ጭንቂ፣ ምፍሳስ ደም፣ ልዑል ጸቕጢ ደም፣ ኣብ ዘይእዋኑ ምውላድ፣ ትሑት ክብደት ልደትምብርዓን ጥንሲ

እቲ ቆልዓ ምስተወልደ ዝያዳ ክንክን የድልዮ

ኣብ እዋን ጥንስኺ ናይ መጻምድቲ መጥቃዕቲ እንድሕር ኣጋጢሙኪ፣ ካብ ዶክተር ወይ መሕረሲት ሓገዝ ሕተቲ።

ናይ ኣደን ህጻንን ማእከላት ጥዕና።

እተን ናይ ኣደን ቆልዓን ማእከላት ጥዕና ንጥኑሳት ኣንስቲ፣ ዕድሚኦም ኣብ መንጎ 0 ከምኡድማ 5 ንዝኾኑ ህጻናትን ወለዶምን ኣገልግሎት ዝህባ ማእከላት እየን። እቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና መሕረሲት፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ፣ ዶክተርን ኣካላዊ ቴራፒስትን ዝሓዘ እዩ። እቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ምስ ካልኦት ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ኣገልግሎታትን ምስቲ ከባቢያዊ ሆስፒታልን ተሓባቢሩ ይሰርሕ። 

እቲ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ንኹሎም ኣብ ኖርወይ ዝርከቡ ህጻውንቲ ካብ ክፍሊት ናጻ ናይ ጥዕና ክንክን ይህብ። እቲ ኣገልግሎት ናይ ሕክምና ምርመራታት ይገብር፣ ክታበት ይህብ ከምኡድማ ንኹሎም ወለዲ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ይህብ። እቲ ቆልዓ ኣብቲ ንስኺ እትነብርሉ ወይ ብግዝያዊነት እትጸንሕሉ ምምሕዳር ከተማ ናይ ሕክምና ምርመራ ኣገልግሎት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። ኣብ ኖርወይ ቀወምቲ ነበርቲ ዘይኮኑ ህጻውንቲ እውን ተመሳሳሊ መሰል ኣለዎም። 

ኣብ ገለ ምምሕዳር ከተማታት፣ እቲን መንግስታዊ ናይ ጥዕና ማእከላት ናይ ቕድመ ወሊድ ሕክምናን ናይ መሕረሲትን ኣገልግሎታት ይህባ። 

ብዛዕባ ኣብቲ እትጸንሕሉ ምምሕዳር ከተማ ዘለዋ መሕረስቲን መንግስታዊ ማእከላት ጥዕናን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ነቶም ናይቲ ምምሕዳር ከተማ ጥዕናን ክንክንን ኣገልግሎታት ተወከሲ ወይድማ ናይቲ ምምሕዳር ከተማ መርበብ ሓበሬታ ረኣዪ።