ምብርዓን ጥንሲ ማለት ጥንሲ ገና ኣብ ምጅማሩ ክፈሽል እንከሎ ማለት እዩ፣ እቲ ዕሸል ገና ካብ ማህጸን ወጻኢ ክነብር ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ዕቤት ከይበጽሐ ካብ ማህጸን እታ ኣደ ክወጽእ እንከሎ ማለት እዩ። 1 ካብ 3 ጥንሲታት በርዒኑ ይተርፍ። 

ናይ ኣጋዊ ምብርዓብ ጥንሲ ምልክታት

ናይ ኣጋዊ ምብርዓን ጥንሲ ምልክታት ምስ ከቢድ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ዝመሳሰል እዩ:

  • ብርሕሚ ደም ምፍሳስ;
  • ምሽምራር ጭዋዳ ወይ ቃንዛ ኣብ ከብዲ።

እዞም ምልክታት እንድሕር ተራእዮምኺ፣ ምስ መሕረሲትኪ ወይ ዶክተርኪ ተራኸቢ። 

ናይ ኣጋዊ ምብርዓን ጥንሲ ምልክት: ምፍሳስ ደም ብርሕሚ።
ናይ ኣጋዊ ምብርዓን ጥንሲ ምልክት: ምሽምቓቕ ወይ ቃንዛ ከብዲ።
እዞም ምልክታት እንተተራእዮምኺ ናብ ዶክተር ወይ ናብ መሕረሲት ኪዲ።

ምኽንያታት ምብርዓን ጥንሲ

ብዙሓት ምኽንያታት ምብርዓን ጥንሲ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ዕሸል ገለ ጸገም ስለዝህልዎ ጽቤቕ ዕቤት ከርኢ ኣይክእልን። ንኣብነት ከም ሳዕቤን ረኽሲ፣ ናይ ሆርሞን ብልሽት ወይድማ ድኹም ስርጸት ኣብቲ ማህጸን ከጋጥም ይኽእል። መብዛሕትኡ ግዜ ምኽንያት ምብርዓን ጥንሲ እንታይ ከምዝኾነ ብንጹር ኣይፍለጥን። ኩሉግዜ ምብርዓን ጥንሲ ኣብ ቀጻሊ ጥንሲ ዘሕድሮ ጽልዋ የለን።

ምብርዓን ጥንሲ ብናይ ኣዶ ጌጋ ዝፍጠር ኣይኮነን። ከም ብእግሪኻ ምጉዓዝ ወይ ብሽክለታ ምዝዋር ዝኣመሰሉ ልሙዳት ኣካላዊ ንጥፈታት ፈጺሞም ምኽንያታት ምብርዓን ጥንሲ ክኾኑ ኣይኽእሉን።

ዶክተርኪ ስጋዊ ርክብ ከይትገብሪ ክብል ማዕዳ እንተዘይሂቡኪ፣ ኣብ እዋን ጥንሲ ስጋዊ ርክብ ምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ዕሸል ዘስዕቦ ሃስያ የለን።

ሓዘን

እታ ጥንሲ ሰበይቲን መጻምድታን ምስቲ ዘይተወልደ ቆልዓ ፍቕሪ መስሪቶም ክኾኑ ይኽእሉ። እቲ ዕሸል ክመውት እንከሎ ምሒር ክሓዝኑ ይኽእሉ።

ክልቶም መጻምድቲ ክሓዝኑ ንቡር እዩ። ነቲ ዘጋጠሞም ክሳራ ክሓስብዎን ኣብ ህይወቶም ቦታ ክህብዎን ኣለዎም።