አመጋግባ

  • ጥዑይ ኣመጋግባ ተኸተሊ: ተፈጥሮኣዊ ኣእካል፣ ኣሕምልቲ፣ ፍሩታታትን ቤሪታትን፣ ስብሒ ዘይብሎም ናይ ጸባ ውጽኢታት፣ ዓሳ፣ ዓተርመተር፣ ብርስንን ኦቾሎኒታትን። ብዙሕ ዘይተመስረሐ ስጋ፣ ቀይሕ ስጋን ብዙሕ ጽዑቕ ስብሒ ዘለዎም መግታት፣ ሽኮር ከምኡድማ ጨው ተመገቢ። 
  • ኣብ ክንዲ ብሓደሻብ ብዙሕ በሊዕኺ ነዊሕ ሰዓታት ምጽናሕ ነንእሽተይ እናበርኪ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ክትበልዒ ኣለኪ። እዚ ኣካላትኪ ነቲ ምግቢ ብዝበለጸ ደረጃ ከሕቕቖ ይሕግዞ።
  • ገለ መግቢታት፣ ርስሓት ከምኡድማ ጠጠቒምና ዝደርበናዮም ቁርጽራጽ ወረቓቕቲን ነቲ ዕሸል ሓደገኛታት (ንረኽሲ ቶክሶፕላስሞሲስን ሊስተርያን ናይ ምቅላዕ ሓደጋ) ዝኾኑ ጀርምታት ከራብሑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ጽሩያት ኣእዳውን ጽሩያት መግቢታትን ኣዝዮም ኣገደስቲ ከምዝኾኑ እዩ ዘርእየና።
  • ጥረ እንቋቑሖ ኣይትብልዒ።
  • ጥረ ወይከኣ ዝተለብለበ ዓሳ ኣይትብልዒ።
  • ጥረ ወይከኣ ዘይበሰለ ስጋ ኣይትብልዒ።
  • ጥረ ስጋ ምስ መተርኪ ኣእዳውኪ ተሓጸቢ። ምስቲ ስጋ ዝተተናኸፉ ናይ ክሽነ መሳርሒታት ንካልእ ምግቢ ቅድሚ ምጥቃምኪ ሕጸብዮም። 
  • ካብ ዘይተሓከመ ጸባ ዝተሰርሐ ፎርማጆ ኣይትብልዒ ከምኡድማ ዘይተሓከመ ጸባ ኣይትስተዪ (ዘይተሓከመ ጸባ ማለት ፓስቸራላይዝድ ዘይኮነ ማለት እዩ)።
  • ጥረ ፍሩታታትን ኣሕምልቲን ኣጸቢቕኪ ሕጸቢ።
  • ኣብ ጀርዲን ኣብ እትሰርሕሉ ከምኡድማ ቁርጽራጽ ጓሓፍ ኣብ እተጽርዪሉ እዋን ጓንቲ ግበሪ። ኩሉግዜ ድሕሪኡ ኣእዳውኪ ተሓጸቢ

ምስታይ

  • እኹል ማይ ስተዪ።
  • ውሑድ መጠን ቡን፣ ሻሂ ወይ ኮላ ጥራይ ስተዪ።
  • ኣልኮል ኣይትስተዪ። ኣልኮል ኣብ ልዕሊ ዕሸልኪ ከቢድ ሃስያ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ኣፋውስን መድሓኒታትን

  • ዶክተር ከየማኸርኪ ዝኾነ መድሓኒት ከይትወስዲ።
  • ሽጋራ ኣይተትክኽ ወይ ካልእ ናይ ትምባኾ ፍርያታት ኣይትጠቐም።
  • ዝኾነ ዓይነት ዕጸፋርስ ኣይትውሰዲ።

ፎሊክ ኣሲድ፣ ኣዮዲን ከምኡድማ ቪታሚን D

  • ኣብተን ሰለስተ ቀዳሞት ናይ ጥንሲ ኣዋርሕኺ ፊሊክ ኣሲድ ዝተባህለ ቪታሚን ክትወስዲ ኣለኪ። ካብ ቤት-መድሓኒት ሓቲትኪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ክትጠንሲ መደብ እንድሕር ኣለኪ፣ ፎሊክ ኣሲድ ዝተባህለ ቪታሚን ክትወስዲ ኣለኪ።
  • ኣብ እዋን ጥንስኺ ኩሉ መዓልቲ ኣዮዲን ከምኡድማ ቪታሚን D ክትወስዲ ኣለኪ። ንፋርማሲስት፣ መሕረሲት ወይከኣ ዶክተር ሕተቲ። 

ስፖርትታትን ካብ ገዛ ወጻኢ ዝግበሩ ንጥፈታትን

  • ንጥፍቲ ኮንኪ ክትቅጽሊ ኣለኪ: ናይ እግሪ ጉዕዞ፣ ብሽክለታ ምዝዋር፣ ምሕምባስ...
  • እንተደኺሙኪ ዕረፍቲ ውሰዲ።
  • ጸሓይ ኣይትወቕዒ። ንቑሩብ ግዜ ኣብ ጸሓይ ክትጸንሒ እንድሕር መደብ ሒዝኪ ናይ ጸሓይ ስክሪን ተጠቐሚ።

ስጋዊ ርክብ

ኣብ እዋን ጥንሲ ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ናብ ዶክተር ወይ መሕረሲት ምኻድ

ጥንስቲ ምዃንኪ ምስ ፈለጥኪ ምስ ዶክተር ወይከኣ ምስ መሕረሲት ቆጸራ ክትሕዚ ኣለኪ

ኣብ እዋን ጥንሲኺ ክከታተለኪ እትደልይዮ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ ወይ መሕረሲትክ ወይከኣ ክልቲኦም ድዮም ክትመርጺ ትኽእሊ ኢኺ።