ጥንሲ ኣስታት 9 ወርሒ (40 ሰሙን / 280 መዓልቲ) ይጸንሕ።
ካብ 1 ክሳዕ 3 ወርሒ
እቲ ዝጸገየ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኮምፕሌክስ ኣካል ይኸውን። ድሕሪ ካብ 3 ክሳዕ 6 ሰሙን፣ ኩሎም መሰረታዊ ኣካላት ሰውነት ክበቑሉ ይጅምሩ።
ድሕሪ 6 ሰሙን፣ እታ ልቢ ክትሃርም ትጅምር።
ሓንጎል፣ ናይ ዓንዲ ሑቐ ኣንጉዕ፣ ስራሕት መተንፈሲ፣ ስርዓት መሕቐቒ መግቢ፣ ወሲባዊ ኣካላት ከምኡድማ ስርዓት ሽንቲ ክህነጹ ይጅምሩ።
ዕትብቲን መዳሕንቲን ቦትኦም ይሕዙ።
ካብ 4 ክሳዕ 6 ወርሒ
እቲ ዕሸል ብናህሪ ይዓቢ እቲ ሓንጎል እውን ብዙሕ ዕቤት የርኢ። እቲ ዕሸል ክንቀሳቐስ ይጅምር፣ ንኣብነት: ይዕጸፍ፣ ይራጋሕ፣ ይጭብጥ።
እቲ ዕሸል ክውሕጥ፣ ክመጥጥን ከምባሁቕን ይኽእል።
ድሕሪ ኣስታት 5 ኣዋርሕ፣ እቲ ዕሸል ክወሳወስ እንከሎ ክስመዓኪ ይኽእል።
ኣጽፋር፣ ቆርትን ናይ ሰውነት ጸጉሪን ይፍጠሩ።
እቲ ዕሸል ክሰምዕ ይጅምር።