ጥንሲ ኣስታት 9 ወርሒ (40 ሰሙን / 280 መዓልቲ) ይጸንሕ።

ካብ 1 ክሳዕ 3 ወርሒ

እቲ ዝጸገየ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኮምፕሌክስ ኣካል ይኸውን። ድሕሪ ካብ 3 ክሳዕ 6 ሰሙን፣ ኩሎም መሰረታዊ ኣካላት ሰውነት ክበቑሉ ይጅምሩ።

ድሕሪ 6 ሰሙን፣ እታ ልቢ ክትሃርም ትጅምር።

ሓንጎል፣ ናይ ዓንዲ ሑቐ ኣንጉዕ፣ ስራሕት መተንፈሲ፣ ስርዓት መሕቐቒ መግቢ፣ ወሲባዊ ኣካላት ከምኡድማ ስርዓት ሽንቲ ክህነጹ ይጅምሩ።

ዕትብቲን መዳሕንቲን ቦትኦም ይሕዙ። 

ካብ 4 ክሳዕ 6 ወርሒ

እቲ ዕሸል ብናህሪ ይዓቢ እቲ ሓንጎል እውን ብዙሕ ዕቤት የርኢ። እቲ ዕሸል ክንቀሳቐስ ይጅምር፣ ንኣብነት: ይዕጸፍ፣ ይራጋሕ፣ ይጭብጥ።

እቲ ዕሸል ክውሕጥ፣ ክመጥጥን ከምባሁቕን ይኽእል።

ድሕሪ ኣስታት 5 ኣዋርሕ፣ እቲ ዕሸል ክወሳወስ እንከሎ ክስመዓኪ ይኽእል።

ኣጽፋር፣ ቆርትን ናይ ሰውነት ጸጉሪን ይፍጠሩ።

እቲ ዕሸል ክሰምዕ ይጅምር። 

ካብ 7 ክሳዕ 9 ወርሒ

እቲ ዕሸል ክብደቱ 3 ዕጽፊ ግዝፈቱ ድማ ክልተ ዕጽፊ ይውስኽ።

ሙቐት ዝህቦ ስብሒ፣ ጭዋዳታቱ ዝሃንጸሉ ፕሮቲን፣ ኣዕጽምቲ ዝሃንጸሉ ካልሴም፣ ከምኡድማ ከም ሓጺን ዝኣመሰሉ ካልኦት ኒዩትሬንትስ ይኽዝን።

እቲ ሓንጎል ብናህሪ ይዓቢ።

እቶም ሳንባታት ኣብ መወዳእታ ናይ ጥንሲ ግዜ ርእሶም ክኢሎም ክትንፍሱ ድሉዋት ይኾኑ።

እቲ ዕሸል ክውለድ ምስቀረበ ተገምጢሎ ርእሱ ንታሕቲ ይገብር