ክትጠንሲ እንድሕር ዘይሓሰብኪ ኔርኪ፣ 3 ምርጫታት ኣለዉኺ። ከምዚ ዝስዕብ ክትመርጺ ትኽእሊ:

  1. ጥንስኺ ቀጽልዮ ዕሸልኪ ኸኣ ከምዘለዎ ክጸንሕ ግበሪ;
  2. እቲ ጥንሲ ቀጽልዩ ምስ ወለድኪ ኸኣ እቲ ቆልዓ ንረዓምቲ ትህብዮ;
  3. ምንጻል ጥንሲብምግባር ነቲ ጥንሲ ክተቋርጽዮ ትኽእሊ ኢኺ። ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ እንድሕር ትደልዪ ክሳዕ መበል 12. ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ጥንሲ ባዕልኺ ትውስኒ። ድሕሪ መበል 12. ሰሙን ጥንሲ እውን ምንጻል ጥንሲ ከተካይዲ ትኽእሊ ኢኺ፣ ግን ሽዑኡ ክማልኡ ዘለዎም ገለ ረቛሒታት ኣለዉ። 

ዘይተሓስበ ጥንሲ ንምክልኻል፣መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ ኣለኪ።