ኣዚኺ ጸጋይት ኢኺ

ሓንቲ ጓልኣነስተይቲ ንመጀመርያ ግዜ ዘኣጎለ እንቋሖ ምስ ኣካየደት (ቀዳማይ ዑደት) ኣብ ንእስነታ ኣዝያ ጸጋይት እያ። ሓንቲ ጓልኣነስተይቲ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ ዘኣጎለ እንቋቑሖኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንኣስታት 6 መዓልቲ ጸጋይት እያ። 

ሓንቲ ጓልኣነስተይቲ ዋላ ንመጀመርያ ግዜ ስጋዊ ርክብ ክትገብር እንከላ ክትጠንስ ትኽእል እያ።

ዝያዳ ስግኣተ-ሓደጋታት ንኣደን ንህጻንን

ሓንቲ ጓልኣነስተይቲ ዕድሚኣ ትሕቲ 20 ዓመት እንከሎ እንድሕር ጠኒሳ፣ ሕርሳ ከቢድ ናይ ምዃን ስግኣተ-ሓደጋኡ ልዑል እዩ።

እቲ ህጻን ነዞም ዝስዕቡ ስግኣተ-ሓደጋታት ክቃላዕ ይኽእል:

ድሕሪ ቆልዓ ምውላድ መነባብሮ ይቕየር እዩ

ገና ንእሽተይ እንተኾንኪሞ ቆልዓ ክትወልዲ እንድሕር ትሓስቢ ኣለኺ፣ እዚ ዝስዕብ ክትግንዘቢ ኣለኪ:

  • ንትምህርቲ፣ ስራሕን ምዝናይን ዝህልወኪ ግዜ ክውሕድ እዩ;
  • ቆልዓ ምዕባይ ብዙሕ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዝሓትት እዩ።
  • ምስ መጻምድትኺ፣ ምስ ወለዲኺን ኣዕሩኽትኺን ዘለኪ ርክብ ክቕየር እዩ። ቀዳምነት ንቆልዓኺ ኢኺ ትህቢ።
  • እትነብርሉ ቦታ ክትቅይሪ ክትግደዲ ትኽእሊ ኢኺ።

መከላኸሊ ጥንሲ

ንስኺን መጻምድትኺን መዓስን ክንደይን ክትወልዱ ከምትደልዩ ክትውስኑ ትኽእሉ። እዚ ምጣነ ስድራ ይበሃል። እዚ ንምግባር መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀሚ ትኽእሊ ኢኺ። 

ዘይተሓስበ ጥንሲ

ከይሓሰብክዮ እንተጠኒስኪ፣ እተፈላለዩ ምርጫታት ኣለዉኺ። ካብ ወለድኺ፣ ቤተሰብኪን ኣዕሩኽትኺን ሓገዝ ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ። ሕፍረት ክስመዓኪ የብሉን። እዚ ኣብ ዝኾነ ሰብ ከጋጥም ዝኽእል እዩ። ብተወሳኺ ሞያዊ ሓገዝን ማዕዳን ክትሓቲ ትኽእሊ ኢኺ።