ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽያትኪ እንተደንጉዩ፣ ጠኒስኪ ክትኮኒ ትኽእሊ ኢኺ። ጠኒስኪ ከይትኾኒ ንምርግጋጽ ናይ ጥንሲ ምርመራ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ ኖርወይ፣ እዚ ናይ ሽንቲ ምርመራ ማለት እዩ። 

ናይ ሽንቲ ምርመራ

መመርመሪ ጥንሲ ካብ ሱፐርማርኬት ወይከኣ ካብ ቤት-መድሓኒት ክትዕድጊ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ዓይነት መመርመሪ ጥንሲ ሽንቲ ብምምርማር እዩ ዝካየድ። እቲ መርመራ ዘተኣማምን ካብቲ ጥንሲ ተፈጢሩሉ ክኸውን ይኽእል ተባሉ ዝግመት ግዜ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን እንተተኻይዱ እዩ። 

እቲ ምርመራ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ኣካይዶ:

  • እቲ መመርመሪ ኣብ ቁሩብ ሽንቲኺ ኣእትውዮ።
  • እቲ መመርመሪ ንታሕቲ ገጹ ጌርኪ ሓዝዮ። 
  • እቲ ውጽኢት ኣብቲ ስክሪን ናይቲ መመርመሪ ክትርእይዮ 5 ደቓይቕ ተጸበዪ።

ውጽኢት ናይቲ መርመራ ኣወንታዊ እንተኾይኑ፣ ክልተ ምርጫታት ኣለዉኺ:

  • እቲ ጥንሲ ከተቐጽልዮ ትኽእሊ: ንሓፈሻዊ ሓኪምኪ ወይ ንመሕረሲትኪ ኣዘራርቢ። ኣብ እዋን ጥንሲኺ ክትትል ክገብሩልኪ እዮም። 
  • እንተደሊኺ ከኣ ምንጻል ጥንሲ ብምግባር ነቲ ጥንሲ ክተቋርጽዮ ትኽእሊ ኢኺ: ምስቲ ሆስፒታል ተዘራሪብኪ ቆጸራ ሓዚ። ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ መወከሲ ኣድልየኪን። 
ኣብ ሽቓቕ ኮፍ ኢላ ሓደ ኢዳ ናብ መንጎ ኣስላፋ ዝሰደደት ሰበይቲ። እቲ ትኹረት ኣብቲ ኣብ መንጎ ኣስላፋ ዘሎ ኢድ እዩ።
ብቐጥታ ናብ ጫፍ እቲ ናይ ጥንሲ መመርመሪ ክትሸኒ ትኽእሊ ኢኺ።
ወይድማ እቲ ጫፍ ናይቲ መመርመሪ ጥንሲ ሽንቲኺ ኣብ ዝሓዘ ጽሩይ መትሓዚ ጌርኪ ክትሕዝዮ ትኽእሊ ኢኺ።
እቲ መመርመሪ ንታሕቲ ገጹ ጌርኪ ሓዝዮ።
እቲ ውጽኢት ኣብቲ ስክሪን ናይቲ መመርመሪ ክትርእይዮ 5 ደቓይቕ ተጸበዪ። ኣብ ክልቲኦም መስኮታት ናይቲ መመርመሪ ምልክታት እንተተራእዮም ጠኒስኪ ኣለኺ ማለት እዩ።

ናይ ጥንሲ ምልክታት

ገለ ኣንስቲ ገና ጥንሲ ክጅምረን እንከሎ ናይ ጥንሲ ምልክታት ይረኣየን። 

ኣብ እዋን ጥንሲ: ፎሊክ ኣሲድ ውሰዲ

ክትጠንሲ መደብ እንድሕር ኣለኪ፣ ፎሊክ ኣሲድ ዝተባህለ ቪታሚን ክትወስዲ ኣለኪ። ካብ ቤት-መድሓኒት ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ። 
ዋላ ክትጠንሲ መደብ ኣይሃሊኺ፣ ዘተኣማምን መከላኸሊ ጥንሲ እንድሕር ዘይትወስዲ ኣለኺ ኮንኪ ፎሊክ ኣሲድ ውሰዲ።