ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት: እቲ ዑደት ዝጅምረሉ
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ገለ መዓልቲታት ዑደትኪ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ። ዑደትኪ ኣብታ ካብ ርሕሚኺ ክትደምዪ ዝጀመርክላ ቀዳመይቲ ዕለት ይጅምር። እዚ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትተባሂሉ ይጽዋዕ።
ዑደትኪ ካብ 25 ክሳዕ 35 መዓልቲ ይጸንሕ:
- ገለ ኣንስቲ ሓጺር ገለ ኣንስቲ ድማ ነዊሕ ዑደት ይህልወን።
- ገለ ኣንስቲ ዝምቡዕ ዑደት ይህልወን። ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ዝህልወን ዑደት ንውሓቱ ዝተፈላለየ ይኸውን።
- ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ዑደት ንውሓት ኣብ ከይዲ መዋእላ ክለዋወጥ ይኽእል እዩ። ኣብ እዋን ጉርዝና፣ እቲ ዑደት ዝያዳ ዝምቡዕ ይኸውን።
ዘኣጎለ እንቋቑሖ
ኣስታት 14 መዓልቲ ቅድሚ እቲ ቀጻሊ ዑደት ምጅማሩ፣ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ይካድ: እቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ካብቲ መጽገ ይወጽእ።
ድሕሪ እቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ፣ እቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ናብ ማህጸን ይግዕዝ። ድሕሪ እቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ዘሎ ኣስታት ካብ 4 ክሳዕ 5 መዓልቲ፣ እቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኣብ ማህጸን ይበጽሕ። እቲ ማህጸን ነቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከስርጽ ድልው ይኸውን።
ጽግየት ዋሃዮ እንቋቑሖ
እቲ ዋሃዮ ፍረዘርኢ ነቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ እንድሕር ኣጽግዩዎ ክትጠንሲ ትኽእሊ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሰብኣይ ስጋዊ ርክብ ብምግባር ዝመጽእ እዩ። እቲ ሰብኣይ ዕልቋቕ ከፍስስ እንከሎ፣ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ርሕሚ ይኣትዉ። ንስኺ ክትጠንሲ ትኽእሊ:
- ሓደ ዋሃዮ ፍረዘርኢ ናብቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኣትዩ እንድሕር ኣጽግዩዎ፣ ከምኡድማ;
- እቲ ዝጸገየ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኣብቲ ናይ ማህጸን ፈሳሲ ሽፋን ብዕዉት ኣገባብ እንድሕር ሰሪጹ። ክዓቢ ይጅምር።
ኣብ እዋን ጥንስኺ ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያት ኣይህልዉኺን። ይኹን እምበር፣ ገለ ኣንስቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ናይ ጥንሲ ወርሒ ቁሩብ ደም ክፈሰን ይኽእል እዩ።
ኣብ ሓደ ወርሒ ኣስታት 6 ክትጠንስለን እትኽእሊ መዓልቲታት ኣለዋ: እቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ን 1 መዓልቲ ብሂወት ይጸንሕ፣ እቲ ዋሃዮ ፍረዘርኢ ድማ ክሳዕ 5 መዓልቲ ብሂወት ክጸንሕ ይኽእል። ቅድም ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ዘለዋ 5 መዓልታትን ድሕሪ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ዘሎ ሓደ መዓልቲን ጸጋይት ኢኺ። ኣብቶም ቀጸልቲ መዓልታት፣ ክሳዕ እተን ቅድሚ ቀጻሊ ዘኣጎለ እንቋቑሖኺ ዘለዋ መዓልታት፣ ጸጋይት ኣይኮንክን።
ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት: ኣይትጠንሲን
መከላኸሊ ጥንሲ
ኣብቲ እዋን እቲ ቆልዓ ክትወልዲ ዘይትደልዪ እንተኾንኪ፣ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሚ።