ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት: እቲ ዑደት ዝጅምረሉ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ገለ መዓልቲታት ዑደትኪ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ። ዑደትኪ ኣብታ ካብ ርሕሚኺ ክትደምዪ ዝጀመርክላ ቀዳመይቲ ዕለት ይጅምር። እዚ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትተባሂሉ ይጽዋዕ። 

ዑደትኪ ካብ 25 ክሳዕ 35 መዓልቲ ይጸንሕ: 

  • ገለ ኣንስቲ ሓጺር ገለ ኣንስቲ ድማ ነዊሕ ዑደት ይህልወን። 
  • ገለ ኣንስቲ ዝምቡዕ ዑደት ይህልወን። ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ዝህልወን ዑደት ንውሓቱ ዝተፈላለየ ይኸውን። 
  • ናይ ሓንቲ ሰበይቲ ዑደት ንውሓት ኣብ ከይዲ መዋእላ ክለዋወጥ ይኽእል እዩ። ኣብ እዋን ጉርዝና፣ እቲ ዑደት ዝያዳ ዝምቡዕ ይኸውን።
ጠጠው ዝበለት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት እዩ ዘሎ።
ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት: እቲ ዑደት ዝጅምረሉ

ዘኣጎለ እንቋቑሖ

ኣስታት 14 መዓልቲ ቅድሚ እቲ ቀጻሊ ዑደት ምጅማሩ፣ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ይካድ: እቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ካብቲ መጽገ ይወጽእ። 

ድሕሪ እቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ፣ እቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ናብ ማህጸን ይግዕዝ። ድሕሪ እቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ዘሎ ኣስታት ካብ 4 ክሳዕ 5 መዓልቲ፣ እቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኣብ ማህጸን ይበጽሕ። እቲ ማህጸን ነቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከስርጽ ድልው ይኸውን።

ዘኣጎለ እንቋቑሖ: ዝበሰለ ዋሃዮ እንቋቑሖ ካብቲ መጽገ ይወጽእ።
ዝበሰለ ዋሃዮ እንቋቑሖ ናብ ማህጸን ምግዓዝ

ጽግየት ዋሃዮ እንቋቑሖ

እቲ ዋሃዮ ፍረዘርኢ ነቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ እንድሕር ኣጽግዩዎ ክትጠንሲ ትኽእሊ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሰብኣይ ስጋዊ ርክብ ብምግባር ዝመጽእ እዩ። እቲ ሰብኣይ ዕልቋቕ ከፍስስ እንከሎ፣ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ርሕሚ ይኣትዉ። ንስኺ ክትጠንሲ ትኽእሊ:

  • ሓደ ዋሃዮ ፍረዘርኢ ናብቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኣትዩ እንድሕር ኣጽግዩዎ፣ ከምኡድማ;
  • እቲ ዝጸገየ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኣብቲ ናይ ማህጸን ፈሳሲ ሽፋን ብዕዉት ኣገባብ እንድሕር ሰሪጹ። ክዓቢ ይጅምር።

ኣብ እዋን ጥንስኺ ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያት ኣይህልዉኺን። ይኹን እምበር፣ ገለ ኣንስቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ናይ ጥንሲ ወርሒ ቁሩብ ደም ክፈሰን ይኽእል እዩ።

ኣብ ሓደ ወርሒ ኣስታት 6 ክትጠንስለን እትኽእሊ መዓልቲታት ኣለዋ: እቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ን 1 መዓልቲ ብሂወት ይጸንሕ፣ እቲ ዋሃዮ ፍረዘርኢ ድማ ክሳዕ 5 መዓልቲ ብሂወት ክጸንሕ ይኽእል። ቅድም ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ዘለዋ 5 መዓልታትን ድሕሪ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ዘሎ ሓደ መዓልቲን ጸጋይት ኢኺ። ኣብቶም ቀጸልቲ መዓልታት፣ ክሳዕ እተን ቅድሚ ቀጻሊ ዘኣጎለ እንቋቑሖኺ ዘለዋ መዓልታት፣ ጸጋይት ኣይኮንክን።

እቲ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ ርሕሚ ሰበይቲ እዩ ዕልቋቑ ዘፍስስ። እቶም ዋሃዮታት እንቋቑሖ እናሓምበሱ ናብቲ ብዙስል ዋሃዮ እንቋቑሖ ይውሕዙ።
ጽግየት: ሓደ ዋሃዮ ፍረዘርኢ ናብቲ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከይዱ የጽግዮ።
እቲ ዝጸገየ ዋሃዮ እንቋቑሖ ኣብቲ ፈሳሲ ሽፋን ማህጸን ይትከል።

ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት: ኣይትጠንሲን

እቲ እንቋቑሖ እንድሕር ዘይጸግዩ፣ እቲ ማህጸን ነቲ እንቋቑሖን ነቲ ፈሳሲ ሽፋንን ይነጽጎ። ኣብ ክፍ ለግዜ ወርሓዊ ጽግያት ክትኮኒ እንከለኺ: ደም ካብ ኣካላትኪ ብርሕሚኺ ይፈስስ። እቲ ክፍ ለግዜ ወርሓዊ ጽግያት ካብ 3 ክሳዕ 7 መዓልቲ ይጸንሕ። ሽዕኡ ሓድሽ ዑደት ይጅመር።

መከላኸሊ ጥንሲ

ኣብቲ እዋን እቲ ቆልዓ ክትወልዲ ዘይትደልዪ እንተኾንኪ፣ መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሚ

ኣብ እዋን ጥንሲ: ፎሊክ ኣሲድ ውሰዲ

ክትጠንሲ መደብ እንድሕር ኣለኪ፣ ፎሊክ ኣሲድ ዝተባህለ ቪታሚን ክትወስዲ ኣለኪ። ካብ ቤት-መድሓኒት ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ። 
ዋላ ክትጠንሲ መደብ ኣይሃሊኺ፣ ዘተኣማምን መከላኸሊ ጥንሲ እንድሕር ዘይትወስዲ ኣለኺ ኮንኪ ፎሊክ ኣሲድ ውሰዲ።