ገለ ኣንስቲ ብቕልጡፍ ይጠንሳ; ገሌአን ከኣ ነዊሕ ግዜ ክፍትና ኣለወን። ንምጥናስ 1 ዓመት ክወስደለን ይኽእል። እዚ ንቡር እዩ።

ነዊሕ ግዜ እንድሕር ወሲዱልኩም፣ ንስኺ ወይ መጻምድትኺ ትሑት ጽግየት ክህልወኩም ይኽእል፣ ንኣብነት እቲ ሰብኣይ ኣብ ዕልቋቑ እኹል ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ዘይክህልዎ ይኽእል። 

ዘይጥዑይ መነባብሮን ዕድሞን

ብዙሓት ምኽንያታት ኣብ ልዕለኺን ኣብ ልዕሊ መጻምድትኺን ጽልዋ ከሕድሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት:

ጥዑይ መናብሮ ክህልወኪ ኣለዎ: ጥዑይ ኣጋግባ ክህልወኪ ፈትኒ ከምኡድማ ኣካላዊ ንጥፈታት ግበሪ።

ናይ ጽግየት ለውጢታት ኣብ መዋልኪ። ልዕሊ 35 ዓመት ዕድመ፣ ናይ ሰበይቲ ጽግየት ብናህሪ ይንኪ። ካብ 45 ክሳዕ 55 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ፣ ኣንስቲ ክፍለ ግዜታት ወርሓዊ ጽግያት የቋርጻ፣ ስለዚ ድሕሪኡ ዎልዓ ክወልዳ ኣይኽእላን። እዚ ንጽፈ-ጽግያት ይበሃል።

ምውላድ ክኣብየኪ እንከሎ እንታይ ክትገብሪ ትኽእሊ?

ክትጠንሲ ዘይከኣልኪሉ (መኻንነት) ምኽንያት ንምፍላጥ ናብ ዶክተር ኪዲ። ኣገዳሲ እንተኾይኑ እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም ከመይ ከምዝሕከም ኣመልኪቱ ማዕዳ ክህበኪ ወይከኣ ንኽትምርመሪን ናይ ጽግየት ሕክምና ንኽግበረልኪን ናብ ስፔሻሊስት ክሰደኪ ይኽእል እዩ። እተፈላለዩ ምርጫታት ኣለዉ: 

  • ቴራፒ ብኣፋውስ;
  • ጽግየት ክሕግዙ ዝኽእሉ ቴክኖሎጂታት;
  • መጥባሕቲ።

ብተወሳኺ ኣብ ኖርወይ ዝተወልደ ቆልዓ ብዓለምለኸ ደረጃ ዘይወለድክዮ ቆልዓ ከም ሕጋዊ ወላዲ ኮንኪ ከተዕብዩ ትኽእሊ ኢኺ። ከም ሕጊ፣ ዓለምለኻዊ ርዕመታት ናይ ግድን ፍቓድ ብዝተውሃቦ ናይ ርዕመት ትካል እዮም ዝካየዱ።