ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት

ዘይተሓከመ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንተልዩኪ ነቲ ዕሸል እውን ክሓልፎ ይኽእል እዩ። እቲ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንድሕር ዘይተሓኪሙ ነቲ ዕሸል ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ከምዘለኪ ትፈልጢ እንተኾንኪ፣ ንዶክተር ወይ ንመሕረሲት ተዛረቢ። ንሳ/ንሱ ነቲ ዕሸል ንምክልኻል ኣብ እትወስድዮም ግቡእ ስጉምቲታት ክሕግዘኪ ይኽእል እዩ።

ዳርጋ ኩሎም ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕሸል ሓደጋ ብዘየስዕብ ኣገባብ ክሕከሙ ይኽእሉ እዮም።

ኣብተን 3 ናይ መወዳእታ ናይ ጥንሲ ኣዋርሕ ኣብ ርሕሚ ዝፍጠር ሀርፐስ ነቲ ዕሸል ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ። በቲ ረኽሲ ዝተለኸፍኪ ምዃንኪ ክስመዓኪ እንከሎ ሽዕኡ ከይደንጎኺ ንዶክተር ወይ መሕረሲት ንገሪ።

ምስ ጠነስኪ ናይ ኤችኣይቪ፣ ሄፓቲቲስን ፍንጣጣን ምርመራ ክትገብሪ ክትሕተቲ ኢኺ። ዕድሜኺ ትሕቲ 25 ዓመት እንተኾንኪ ናይ ችላሚድያ ምርመራ ክትገብሪ ኢኺ። ናይ ሓደ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ መርመራ ክግበረልኪ እንተደሊኺ፣ ንዶክተርኪ ክትሓቲ ይግባእ።

ኤችኣይቪ

ኤችኣይቪ ዋላ ይሃልኺ፣ ጥዑያት ቆልዑት ክትወልዲ ትኽእሊ ኢኺ።

ኤችኣይቪ ዘለዋ ጥንስቲ ሰበይቲ ኣብ እዋን ጥንሲን ሕርሲን መድሓኒት ክትወስድ ኣለዋ።
እቲ ቆልዓ ኩሉግዜ ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ እዩ ዝውለድ።
እቲ ቆልዓ ውልድ ምስ በለ መድሓኒት ክወስድ ኣለዎ።
እታ ኣደ ንቆልዓኣ ጸባ ጡብ ከተጡቢ የብላን። እቲ ጸባ ጡብ ኤችኣይቪ ክህልዎ ይኽእል እዩ
እታ ኣደ ንቆልዓኣ ብጡጦ እያ ክትምግቦ ዘለዋ።