ጥንስቲ እንተኾንኪሞ ክትወልዲ ዘይትደልዪ እንተኾንኪ፣ ጥንስኺብ ምንጻል ጥንሲ ከተወግድዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ምንጻል ጥንሲ ክትገብሪ እንድሕር ትደልዪ ክሳዕ መበል 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ባዕልኺ ትውስኒ። ድሕሪ 12. ናይ ጥንሲ ሰሙን እውን ምንጻል ጥንሲ ምግባር ይከኣል እዩ፣ ግን ሽዕኡ ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ኣለዉ። 

እቲ ጥንሲ ክትቅጽልዮ እንድሕር ወሲንኪ ከኣ፣ 2 ምርጫታት ኣለዉኺ: