መነባብሮ ይቕየር

ወላዲ ምዃን ንህይወትካ ኣዝዩ ይቕይሮ።

ንኣብነት:

  • ነቲ መግቢ፣ ክንክንን ፍቕሪን ካባኻ ዝደሊ ቆልዓ ብዝምልከት ከቢድ ግቡእ ክስመዓካ ይኽእል;
  • ብዛዕባ ናይቲ ቆልዓ ስምዒታትን ድሌታትን ክትጭነቕን ክትፈርሕን ትኽእል። እዚኦም ቀስብቐስ ኢኻ እናፈለጥካየም ትመጽእ;
  • ለይቲ ነቲ ቆልዓ ክትብሊ ስለትትስኢ ድቃስ ይውሕደኪ;
  • ጸባ ጡብ ኣብ ምጥባው ክትጽገሚ ትኽእሊ (ሰበይቲ);
  • ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ክትጭነቕ ትኽእል;
  • ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩኻ ልምዲታትን ዝውቱራት መዛነይታትን ከተቋርጽ ክትግደድ ትኽእል;
  • ንጥፈታትካ ብጥንቃቐ ክትትልም ይግበኣካ።

ማሕበራዊ ህይወት

ማሕበራዊ ርክባትካ ክቕየሩ ይኽእሉ። ንኣብነት፣ ንስኻ:

  • ብዙሕ ግዜ ምስ ቆልዓኻ ከተሕልፍ ትኽእል;
  • ምስ ቆልዑት ዘለዉዎም ሓደሽቲ ሰባት ክትላለይ ትኽእል;
  • ክትግዕዝን ሓደሽቲ ጎረባብቲ ክትረክብን ትኽእል;
  • ብዙሕ ኣቐዲምካ ክትትልም ትግደድ: ገለ እትፈልጦም ሰባት ምሳኻ ዘለዎም ርክብ እናላሕለሐ ክመጽእ ይኽእል።

ክልቲኦም ናይቲ ቆልዓ ኣደን ኣቦን ለውጢታት የጋጥምዎም።

ለውጢታት ንቡራት እዮም። ነቲ ሓድሽ ኩነታት ክትለምዶ ቁሩብ ግዜ ክወስደልካ እዩ።

ቆልዓ ኣብ ዝውለደሉ እዋን ዝህልዉ ኣጸገምቲ ስምዒታት

ቆልዓ ምስ ወለድኻ ኣጸገምቲ ኹነታት ከጋጥምኻ እዮም። ንዚኦም ኹነታት ንምጽዋር ኣብ ናይ ህዝቢ ጥቕና ጣቢያን ካብ ናይ ስድራቤትካ ሓኪምን ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ጽቡቕ ምድላው ምግባር ነዚ ዅነታት እዚ ንኽትዋጽኣሉ ዝቐለለ ይገብሮ ።

ሂወት ከኣ ቖልዓ ሒዝካ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ ። ምናልባት ከምዚ ክትብሊ ትኽእሊ፡

  • ደኺመ
  • ተወዲኡኒ
  • ተስፋ ቖሪጸ
  • ተጨኒቐ
  • ሓሪቐ

እዚ ስሚዒት እዚ ምግባር ምስ ቖልዓ ንቡር እዩ ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እዚ ኣጸጋሚ ስምዒታት እዚ ነቲ ቘልዓ ኸም ዘይጸልዎ ኸተረጋግጽ ኣሎካ። ሓድሓደ ግዜ ኣመና ስለ እትበሳጮ ንውሉድካ ውሑስ ብዘይኮነ ኣገባብ ክትሕዞ ትኽእል። ዝዀነ ይኹን ዘይእሩም ኣተሓሕዛ ንውሉድካ ኸቢድ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጕድኣት ከስዕበሉ ይኽእል እዩ።

ንቖልዓ ምንውናው ነባሪ ጕድኣት ወይ ሞት ኬስዕብ ይኽእል እዩ ። ቖልዑት ከቢድ ርእስን ኣዝዩ ድኹም ጭዋዳታትክሳድን ሒዞም ኢዮም ዝውለዱ ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓደ ሕጻን ንምንውናውን ን ካልእ ዓመጽ ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ተነቃፊ ዝኸውን።

በብዓመቱ ከኣ ቖልዑት ካብ ብምንውናው ወይ ኣካላዊ ማህሰይቲ ዝነቐለ ይሞቱ ኢዮም።

ነቲ ኣጸጋሚ ስምዒታት ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካ ገለ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ፦

  • ንእሽተየ ኣብ እተዕርፈሉ እዋን ንዉልድካ ኣብ ዉሑስ ዝኾነ ቦታ ክተደቅሶ ትኽእል ኢኻ፡፡
  • ንመፃምድትኻ ንኣባል ስድራ ቤትካ ወይ ንፈታዊኻ እተወሰነ ዕረፍቲ ምእንቲ ኽትረክብ ንእተወሰነ እዋን ቖልዓ ክሕዙልኻ ምሕታት ትኽእል ኢኻ።
  • ብዛዕባ እቲ ኣጸጋሚ ስምዒታት ንእትኣምኖ ሰብ ከተዘራርቦ ትኽእል ኢኻ ።

ብተወሳኺ ከኣ ምስ ናይ ጥዕና ብዓል ሞያ ክትዘራረቢ ትኽእሊ ኢኺ። ምስ ዶክተርኪ፣ ናይ ህዝባዊ ጥዕና ነርስ ወይከዓ ምስ መዋለድቲ ተዘራረቢ ኢኺ።