ወላዲ ምዃን ምስ መጻምድትኺ ዘለኪ ርክብ ክቕይሮ ይኽእል እዩ።

ነቲ ቆልዓ ብዙሕ ጠመት ስለትገብሪ፣ ውሑድ ድቃስ ኢኺ ትድቅሲ። ክልቴኹም ነቲ ሓድሽ ኩነታት ክትለምድዎን ክስተኻኸሉ ዝግበኦም ነገራት ከተስተኻኽሉን ይግባእ።

ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወት

ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወትኩም እውን ክቕየር ይኽእል እዩ:

  • ኣብተን ድሕሪ ሕርሲ ዘለዋ ቀዳሞት ሰሙናት፣ ናይታ ሰበይቲ ሰውነት ገና ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ። ክልቲኦም መጻምድቲ ብቐስታን ኣለሳሊሶምን እዮም ክገብሩ ዘለዎም።
  • ንቆልዓኺ ጸባ ጡብ እንድሕር ተጥቡዊ ኮንኪ (ሰበይቲ)፣ ኣጥቧትኪ ከበድቲን ተኣፈፍቲን እዮም። እቶም ኣጥቧት ጸባ ጡብ ከልሑኹ ይኽእሉ እዮም።
  • ኣብቲ ድሕሪ ሕርሲ ዘሎ ግዜ፣ እታ ሰበይቲ ናይ ስጋዊ ርክብ ቃሕታኣ ክንኪ ይኽእል እዩ። ሓደሓደ ግዜ ድማ ናይታ ሰበይቲ መጻምድቲ ከይጎድኣ ክፈርሕ ይኽእል። ብዛዕባ ስምዒታትኩምን ትምኒታትኩምን ተዘራረቡ።
  • ናይታ ሰበይቲ ሰውነት ክቕየር ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ክብደታ ይቕየር፣ ቅርጺ ከብዳን ኣጥቧታን ይቕየር፣ ሕንጻጽ መሰል ስምብራታት ኣብ ከብዳ ይወጹዋ ወዘተ። ክልቴኹም እዚ ክትለምድዎ ኣለኩም።

ክልቴኹም ተዘራሪብም ንኽልቴኺም ዝምቹን ምስ ሓድሽ ኩነታትኩም ዝኸይድን ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወት ኣናድዩ።